Friday , July 12 2024

ፕረሲደንት ታንዛንያ፡ ማጉፉሊ፡ ዓሪፉ።

ፕረሲደንት ታንዛንያ፡ ጆን ማጉፊሊ፡ ኣብ መበለ 61 ዓመቱ ትማሊ ረቡዕ ምሟቱ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ማጉፉሊ ብሕማም ልቢ፡ ኣብ ዳርኣልሰላም፡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዓሪፉ’ሎ ክትብል ሳምያ ሱሉሑ ሓሰን ን ተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ።

ማጉፉሉ ንኽልተ ሳምንታት ዝኣክል ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምኽዋሉ፡ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ወረ ክናፈስ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ተቓወምቲ ሰልፊታት እታ ሃገር፡ ማጉፉሊ፡ ብሕማም ኮቪድ-19፡ ተታሒዙ እዩ ዓዲ ውዒል ኮይኑ ክብሉ እኳ እንተጸንሑ እዚ ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

ማጉፉሊ፡ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና፡ ኣዝዮም ካብ ዝጠራጠሩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ንሱ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ብጸሎትን ቈጽለ መጽሊ ብምዕጣንን ክፍወስ ይኽእል እዩ ዝብል እምነቱ፡ ካብ ብዙሓት ወገናት ተሪር ነቐፌታ ክስሕብ ጸኒሑ እዩ።

ሎሚ ዕረፍቲ ፕረሲደንት ታንዛንያ፡ ጆን ማጉፉሊ፡ እንከርድኣኩም ዓብዪ ሓዘን ይስማዓኒ” ክትብል ምክትል ፕረሲደንት እታ ሃገር፡ ሓሰን፡ ነታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ’ላ። ናይ 14 መዓልታት ሓዘን ዝኣወጀት ታንዛንያ፡ ባንዴራ፡ እታ ሃገር ንኽልተ ሳምንቲ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ክተንበልብል እያ ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com