Wednesday , December 7 2022

ፖሊስ፥ ክሱስ ንብዙሓት ኣብ ጎደና ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ብስሕለት ክቐትል ምህቃኑ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ሽወደን እቲ ትማል ምሸት ኣብ ሆሊስበሪ ብጥይት ዝወቕዖ ሰብ ብዙሓት ሰባት ክቐትል ሃቂኑ ምንባሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ኣብ መርበቦም ኣብ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ እዚ ሰብኣይ ምስኣ ርክብ ከም ዝነበሮን ሰባት ብስሕለት ክሃርም ይሓስብ ከም ዘሎን ከም ዝነገራ ኣረጋጊጾም።

ፖሊስ ሰሉስ መዓልቲ ነቲ ሰብኣይ ጥቓ መደበር ሆልስበሪ እግሩ ድሕሪ ምቚሳል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ።

እቲ ሰብኣይ ስሕለት ኣብ ኢዱ ሒዙ እናሃልወ እዪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ብተወሳኺ እቲ መግለጺ ፖሊስ ከም ዝሓበሮ ዝሓዝካዮ ስሕለት ኣብ ባይታ ኣቐምጦ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተሓተ ምእዛዝ ብምእባዩ እዩ ኣብ እግሩ ክቘስል ዝተገብረ።

እቲ እሱር ንሕክምና ናብ ኡርቡ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምስግጋሩ ብፈተነ ቅትለት ክሲ ተኸፊትሉ’ሎ።