
Pixabay
ስርቂ ኣብ ሕርሻዊ ስርሓት ዘገልግሉ ክቡራት መሳርሒታት ጂፒኤስ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ምዃኑ፥ ፖሊስ ገሊጾም። በዚ
ድማ፥ ፖሊስ ዋህዮታት እዞም ገበነኛታት ጉጅለታት ንምስባር ኣብ ዶብ ዞባታት ዘሎ ሓባራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ምድልዳል፡ ምስ
ፈደረሽን ሓረስቶት ሽወደን ብሓባር ኣብ ምስራሕ ይርከቡ’ለዉ። ኣብዚ ዓመት ዛጊት 123 ስርቂ መሳርሒታት ጂፒኤስ ከም
እተፈጸመ ስታቲስቲክስ ፖሊስ የመልክት።
