Saturday , June 15 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ፖሊስ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብርክት ዝበሉ ገበናት ደው ከብሉ ምኽእሎም ገሊጾም።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ክልተ መማህራን ድሕሪ ምቕታሎም፡ ፖሊስ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ተመሳሰልቲ
መጥቃዕቲታት ደው ከብሉ ምኽእሎም፡ ሰሙናዊ ኸኣ ሓጋዚ ሓበሬታ ክረኽቡ ምጽንሖም ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ሓላፊ ድሕነት
ፖሊስ ማትስ ካርተን ገሊጹ ።
እቲ ምፍርራሃት ካብ ቅልል ዝበለ ጀሚርካ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምንባሩን ፖሊስ ፍጡን ስጒምቲ ብምውሳድ ከምዚ ዓይነት
ገበናት ምክልኻሎምን ካርተን ኣረዲኡ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ 17 ዝዕድሜኡ ተመሃራይ ስቶክሆልም ቅትለት ክፍጽም እናፈተነ
ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ከም ኣብነት ኣልዒሉ’ሎ። እቲ ኮተቴ ተመሃራይ፡ መዓልቲ ፈልዩ ካራ ብምምላእ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ

ብዙሓት ሰባት ክቐትል መደብ ከም ዝነበሮን፡ ኣቐድም ኣቢሉ ስእልታት ቀታሊ ማልም ናብ ተመሃሮ ምዝርግሑን መርማሪቱ
ካትሪን ኣንግስትሮም ትገልጽ።
ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክንደይ ዝኣክል ናይ ገበን ምፍርራህ ጻውዒታት ምቕባሎም ወይ ክንደይ ዝኣክል ደው ኣቢሎም ግና ብልክዕ
ዝተዋህበ ኣሃዛት የሎን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com