Friday , March 29 2024

ሃብቲመ ግና. . .

ሓቐኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

“ጓል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ 1986 እዩ ዝኸውን ዘሎ። ልዕሊ ዓቐን ሰሪሐ ክህብትም ጥራይ’ዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። ንሱ እናሓሰብኩ’የ ድማ ተጓዒዘ” ኣኽመስመሰት።

“እሞ ሰሊጡኪ’ዶ?” ፍሽኽታኣ ብምዕዛብ – ተዓዊታ’ያ ዝብል ግምት ኣሕደርኩ።

“ኣብ ሱዳን’ሞ ዋላ ሓደ ክሰልጠኒ ኣይክኣለን። ኮፍ ኢልካ ትውዕል – ኮፍ ኢልካ ትሓድር’ዩ ነገሩ። ብዘይ ስራሕ ከባቢ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተኸላቢተ። ግና ኣብ መወዳእታ ሰሊጡኒ። ብመገዲ ደላላይ ናብ ኩዌት ኣምሪሐ። በቃ ሰራሕተኛ ገዛ ኮይንካ ሃብቲ ምንዳይ…”

“ድሕሪ’ዚ ኹሉ ጉዕዞ፡ ባህጊ ሰሚሩ’ዶ?” ባህጋ ክሰምረላ እናተተስፈኹ ተወከስኩዋ።

“ስደት ገደል’ዩ፡ ኣብ’ቲ መጀመርታ ብጣዕሚ’ዩ ዓቕለይ ተፈታቲኑኒ። ሃሩር፡ ጋሻ ምዃን፡ ኣይትውጽኢ – ኣይትእተዊ መዓት’ዩ በጃኻ! ዕላማ ስለ ዝነበረኒ ግና፡ ንኹሉ ክጻወሮ’የ ፈቲነ። ሰሪሐ ገንዘብ ክእክብ ጥራይ’ዩ ነይሩ ዕላማይ። ናይ ለይትን ቀትርን ጸሎተይ…” ንሰማይ ኣንቃዕሪራ ተስፋኣ ከተርእየኒ ፈተነት።

“ሰብ ሓይሊ ሓዊሱ እንተ ጽዒሩ፡ ዓወት ኣብ ቀረባ’ያ ትጸንሖ። ተዓዊትኪ’ዶ መወዳእታ?” ንድልየታ ኣብ ግምት ኣእትየ መዛዘሚ ናይ ባህጋ ክሰምዕ ደለኹ።

“ፈተነ’ዩ! እትሰርሖ ብዙሕ – ዝኽፈለካ ውሑድ’ዩ። እንተ ዀነ፡ ሰብ ሓንሳብ እንተ ኣንቂሉ ዓጋቲ ከም ዘይብሉ ኣብ ሽዑ እዋን’ዩ በሪሁለይ። ሓንሳብ ካብ ወጻእኩ ክማወት ኣለኒ ዝብል ኒሕ ሒዘ፡ ለይትን መዓልትን ተቓሊሰ ደሓን ገንዘብ ከዋህልል ጀሚረ። ብሓጺሩ ንባህገይ ቀስ-ብቐስ ኣብ መዕለቢኡ ክርእዮ ጀሚረ…”

“እታ ንበይና ዝገደፍክያ ኣደኺ’ኸ?” ንኣዲኣ ዘይምዝካራ ግር በለኒ። እቲ ኣሕዛኒ ዛንትኣ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር. . . ።

“መርገም ወላዲ ተዘይቀተለ የዕነኒ” እዩ ነገሩ! ሃመይን ቀልበይ ምስ’ቲ ዕላማይ ጥራይ ኰይኑ፡ ንከረን ብድኽነት ተፈልየያ – ሃብቲመ ክምለሳ ጥራይ’ዩ ሓሳበይ። ገንዘብ ክቑጥብን ዝተቐመጠ ክቖጽርን’የ ዝውዕል ነይረ። ንኣደይ ብሰብ ይሓተላ ድሃያ አጣይቕ። ግና ምስ ዝነበረኒ ጻዕቂ ናይ ስራሕ ፈጺመ’የ ረሲዐያ። ኣብ መንጎ ከቢድ ጸገም ምስ ኣጋጠመኒ’ሞ… ፍጹም ናብ ጽልልቲ ተቐይረ ብምንባረይ ክዝክራ ኣይክኣልኩን። እንድዒ ወደይ!” ኣዒንታ ንብዓት ቆጸራ። ተዛንያ ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት፡ ጎረሮኣ ተለኺቱ ሕንቕንቕ በለት።

“እንታይ ጸገም ድዩ ረኺቡኪ?” ኣዘራርባይ ኣትሒተ ከህድኣ ፈተንኩ።

‘ከም’ቲ ዓንተቦይ ዝጸወኹኻ፡ እቲ ስራሕ ዕረፍቲ ዝብሃል የብሉን። በዚ ምኽንያት ዳርጋ ደገ ወጺኻ እትዛወረሉ ግዜ ውሑድ’ዩ። ኣብ’ታ ዝወጽኣላ ዝነበርኩ እዋን፡ ምስ ሓደ መዘናይ እላለ። ሌላና ዓሚቑ ምስ ግዜ ናብ ፍቕሪ ይቕየረልካ! እንተ ዀነ ኣሚነ ምስ ቀረብኩዎ ንሱ ግን…” ነቲ ፍጻመ ግዲ ዘኪራ፡ ንብዓት ጸረር ኣበለት። ኣነ ድማ ክነፍሰላ ብምባል ስቕ መረጽኩ።

“ናይ ብሓቂ’ዩ በዲሉኒ። ከየጽናዕኩ’የ ቀሪበዮ፣ ምስ ግዜ ድማ ኣሚነዮ። ወዲ ጸገማተይ መዝሚዙ ክብረይ ኣበላሽዩ። “ናብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ከስግረኪ’የ” ብምባል ኩለን ዝኣከብኩወን ገንዘበይ ዘሚቱ ህልም ኢሉ። ንባዕሉ ብገንዘበይ ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ። ነደይ ወላዲተይ ዘይገበርኩላ – ጓና ተጻዊቱለይ። ሰብ ረኺባ ኢልካ ምእማን ድማ ፋይዳኡ ርእየዮ። ክገርመካ፡ ናብ ድሕሪት ተመሊሰ፣ ዳርጋ ናብ ጽልልቲ ተቐይረ። ነዚ በሰላ ከሕዊ ነዊሕ እዋን’ዩ ወሲዱለይ። ነዚ ተጻዊረ ከም ብሓድሽ ኣሃዱ ኢለ ህይወተይ ክመርሕ ተበጊሰ። ኣብ ከም’ዚ ሓንኳሊ ጉዕዞ ከለኹ’ዩ ድማ ሞት ናይ’ታ ዋላ ሓደ ዘይሓገዝኩዋ ወላዲተይ ተረዲአ። ሓንሳብ ዕንቅፋት እንተመጺኡካ ድማ…” ንብዓታ ክትሕንስስ መንዲላ ካብ ቦርሳኣ ብምውጻእ ደቓይቕ ኣሕለፈት።

“ይገርመካ’ዩ! ስደት ምረት እንድዩ፡ ባዕልኻ እትፈጥሮ ምረት ድማ ከም’ዚ ናተይ ኣሎ! ስድራ ዘይምሕጋዝ ድማ እቲ ዝኸፍአ መርገም። ብዝዀነ፡ መንፈሰይ ኣረጋጊአ ከም ብሓድሽ ኣሃዱ ኢለ ተበጊሰ። ንጻዕረይ – ጻዕሪ ደሚረሉ። ሃመይን ቀልበይን ናብ ምእካብ ገንዘብ ጥራይ ኰይኑ፣ ነብሰይ  ረሲዕ፡ ሃብቲመ፡ ንዓደይ ክምለስ ጥራይ ኰይኑ ሕልመይ። ከም ባህገይ ሃብቲመ… ሃብቲ ነብሰይ ግና…” ዳግማይ ተረጋጊኣ ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት፡ ተመሊሳ ኣብ ንብዓት ተጸምደት።

“ተረጋግኢ’ሞ ቀጽልለይ…” ካብ ኮፍ መበልየይ ተንሲአ ከዝሕላ ፈተንኩ።

“ኩሉ እንድዩ እናተራእየኒ! ኣብ 2012 ነታ ሃብቲመ ክምለሳ ዝበሃግኩዋ ከተማ ከረን፡ ምስ ገንዘበይ ክምለሳ እንከለኹ ፍሉይ ስምዒት’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ዕላማኣ ወቒዓ ትምለስ ዘላ ሰላም። ዕላማይ ወቒዐ ናተይ ትካል ከፊተ፣ ከም’ቲ ስድራይ ብድኽነት ዘዕበዩኒ፡ ደቀይ ንድኽነት ሕቖኦም ከም ዝህቡዋ ርዱእ’ዩ ነይሩ። ሓዳረይ ገይረ፡ ደቀይ ከዕቢ ብሂገ። ዘይ ንዕኡ’የ ከርቲተ… ግ.. ግ..” ጎሮሮኣ ተለኺቱ ምዝራብ ተጸገመት። ሓይላ ኣኻኺባ ግና መልእኽቲ ፈነወትለይ።

“ገንዘብ ክእክብ ዕድመይ ከይዱ፡ ሃብቲ ናይ ጓል ሄዋን ጸጋኣ ምዃኑ ዘንጊዐ። ገና ዘለኹ እናመሰለኒ፡ ናይ ንእስነት መልክዐይ ሃዲሙ። ናብ እርጋን ዛዝዩ… ሓሳባት እናተመላለሰ ጭንቀት ፈጢሩለይ። ገጸይ ብማዳ መርኣዪ ተሳኢኑዎ። ኣይ ብስድራይ ተመሪቐ፡ ኣይ ሓድጊ ስድራይ ኣትሪፈ፡ ኣብ ሃብቲ ኣሚነ፡ ናተይ ሃብቲ ኣጥፊአ። ብዘይ ቅሳነት ሩፍታይ ኣጥፊአ እነብር ኣለኹ። ሰብ ላዕሊ-ላዕሊ ክጥምት ከም ዝዕንቀፍ ግዜ ምሂሩኒ። ተጣዒሰ – ኣብ ዘይምለሰሉ እንድዩ’ሞ ኰይኑ! ሰብ፡ ንህይወቱ ብኹሉ ኣንፈታ እንተ ዘይጠሚቱዋ፡ ዕጫኡ እዚኣ ምዃና ፈሊጠ። ብስድራይ ከይተመረቕኩ፡ ደቀይ ከይመረቕኩ፡ እ..እ.. ን..ድ..ዒ…” ዝውሕዝ ዝነበረ ንብዓታ መዕገቲ ተሳእኖ። ዘይሰመረ ባህጋ እናስተንተነኒ ድማ ናብ ምእባዳ ኣተኹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com