Friday , April 19 2024

ሃብቲመ! ግና. . .

ሓቀኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ’የ ተላልየያ። እትውንኖ ትካል ምስ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዘራኽባ ብምዃኑ፡ ደጋጊመ ብምምልላሰይ፡ ከም ሰበይ ዓሚል ናይ ትካላ ክኸውን ኣይኣገመንን። ምስ ኩሉ ሕውስቲ’ያ፡ ፍሽኽታ ዘይፍለያ!

ንሳ’ያ ስመይ  ጸዊዓ ከም ዝረኽባ ገይራትኒ። ገና እቲ ሕዉስ ባህሪኣ ኣይነከየን። ምስ ኩሉ ብፍሽኽታ’ያ…።

“ክገርመካ ከም ሰብ ኣገዳስነትካ ተራእዩኒ መዓስ’የ ዝረኽቦ ክብል’የ ቀንየ። ናይ ፈጣሪ ነገር ኰይኑ ድማ ተራኺብና…” ከም ወትሩ ጻዕዳ ኣስናና ጋሊሃ ዓይኒ – ዓይነይ ጠመተትኒ።

“ናይ ድሓን ደኣ ደሊኽኒ?” ነዊሕ እዋን ስለ ዘይተራኸብና ‘ደልየካ’ ምባላ እናገረመኒ ተወከስኩዋ።

“ኣታ ናይ ድሓንስ ናይ ድሓን’የ። ደጋጊመ ኣብ ጋዜጣ መሃሪ ዝዀነ ናይ ሰባት ዛንታ ዝገልጽ ጽሑፋት ክትጽሕፍ ምስ ረኣኹ፡ እቲ ናተይ’ከ ዝብል ኒሕ ሒዙኒ። ስሓቐይ ስሓቕ ከይመስለካ – ቓንዛ’ዩ! ንዓለም ተሰዓሪት ኰይነ ክቐርባ ስለዘይደሊ’የ ንኹሉ ብፍሽኽታ ክሓልፎ ዝፍትን። ብዝዀነ…” በሪሁ ዝነበረ ገጻ ኣጸልሚታ፡ ግብረ-መልሲ ተጸበየት። 

“ንስኺ’ኸ ጓለይ ንዓለም ተማርርያ ዲኺ?”

“ኖእ! ምምራር እጸልእ! ሓርጎጽጎጽ ዝመልኦ ብግርህነት ዝተኸበበ ዛንታ ህይወት’ዩ ዘለኒ። ኣብ ህይወት ተሳዓሪ ኮይንካ ምውጻእ ድማ እቲ ዝጸልኦ ባህሪ፣ ኣነ ድማ ንዓወት ብጻዕሪ ከም እትስዕሮ ኣሚነ ተዓዊተ፣” ስና ነኺሳ ተዛረበት።

“እንተ ተዓዊትኪ ደኣ’ሞ እንታይ ዘስተማስል ኣለኪ?”

“ሰብ ብኹሉ እንተተዓወተ’ዩ ዘጸብቐሉ፣ ናተይ ግና በቲ ትድነቕ ደድሕረኻ ይወድቕ ኰይኑ ነገሩ…” ርእሳ ኣድኒና ናብ ባይታ ጠመተት።

“ኣይተረድኣንን?” ከተብርሃለይ ደለኹ።

“ንሱ’የ በል ክጸውየካ ደልየ፡ ኣነ ጽዒረ ተዓዊተ እብል፡ ነገራት ግን ብኣንጻሩ ኰይኖም። ደቂ-ሰብ ንኹሉ መኣዝን ናይ ህይወት ኣማእኪሎም እንተ ዘይከይዶም፡ ዓወቶም ፍርቂ ከም ዝኸውን ኣነ ህያው ምስክር’የ። ብዝዀነ፡ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ዛንታ’ዩ ዘለኒ፣ ብዓወት ዝተኸበበ ግና መወዳእታኡ…” ዘረባኣ ኰሊፋ ኣስተማሰለት። ‘ግዳ ቆጸራ’ሞ ንግበር ኮፍ ኢልና ክንጸውየሉ – ነዊሕን ዝተሓላለኸን’ዩ…” ግብረ መልሲ ናተይ ተጸበየት።

“ጸገም የለን!” ኣንጠልጢላ ትገድፎ ዝነበረት ዕላላ ክሰምዖ ተሃንጥየ ብምንባረይ፡ ቅልጥፍ ኢለ መለስኩላ። ብሓሳብ ተሰማሚዐ ድማ ንቖጸራ ድልዉነተይ ኣረጋጊጸ ተፈለኹዋ።

     *** 

“በል! መታን ኩሉ ብሩህ ክዀነልካ፡ ሰላም ተኽለ’የ ዝብሃል፡ ኣብ 1967 ዓ.ም ኣብ ከተማ ከረን ተወሊደ። ኣብኡ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ተማሂረ…” ብምባል’ያ ዕላላ ጀሚራትለይ።

“ስለምንታይ ድኣ ትምህርቲ ኣቋሪጽክዮ?” ምኽንያት መቋረጺኣ ክፈልጥ ብስኽፍታ ሓተትኩዋ።

“ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ጥቕሚ ትምህርቲ ይርድኣኒ ኣይነበረን። ካልኣይ ድማ ስድራይ ንዓይ ምስ ወለዱ፡ ደጊሞም ክወልዱ ስለ ዘይክኣሉ ኣነ ጥራይ’የ ነይራ ጠዋሪቶም። ሰሪሐ እንተ ሓገዘኩዎም ብምባል’የ ድማ ትምህርተይ ኣቋሪጸ ስድራይ ክሕግዝ ዝተበገስኩ…” ንሕቶይ መሊሳ፡ ክቕጽልዶ ብዘምስል ኣጠማምታ ቆላሕታኣ ናባይ ገበረት።

“ሕራይ ቀጽሊ!” ዝጀመረቶ ዕላል መታን ከተስዕቦ ባብ ከፈትኩላ።

“እዚ ጓል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ ኣብ 1984 ዓ.ም እዩ። መጀመርታ ኣብ ሓደ ቤት ቁርሲ ከም ኣሳሳይት ኰይነ’የ ስራሕ ጀሚረ። ኣቦይ ብእርጋን ዝተሰነፈ ብምዃኑ፡ ኣደይ’ያ ኣብ ጐደና ሓምሊ እናሸጠት ትጥውረና ዝነበረት። በዚ ምኽንያት’የ ድማ ክሕግዞም ዝወሰንኩ። እናሰራሕኩ ካብ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ኣታዊ፡ ዋላ ሓደ ከየጉደልኩ’የ ድማ ንኣደይ ዘረክባ ነይረ። በዚ ምኽንያት’የ ድማ ብኣጋኡ ናብ ስራሕ ዓለም ተዋፊረ። ነታ ኣብ ፊታ ዝነበረት ኮካኮላ ክትምዑግ ዕላላ ገትአት።

“እዚ ግና ንዓይ ከዕግበኒ ኣይከኣለን። ሓደ ዕላማ ነይሩኒ፣ ኣነ ብድኽነት ዓብየ፣ ኣነ ዝወልዶም ቆልዑ ድማ ብድኽነት ክዓብዩ የብሎምን ዝብል ቅዱስ ሓሳብ…”

“እሞ ኣተግቢርክዮ’ዶ?” ዝወጠነቶ ዓቢ ዕላማ፡ ከመይ ከም ዝኸደላ ክፈልጥ ተሃንጠኹ።

“ናይ ስድራይ ድኽነት ወትሩ ኣብ ኣእምሮይ እናተመላለሰ’ዩ ኣዕብዩኒ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ’ቲ ቤት ቁርሲ፡ በቲ ዝወሃበኒ ዝነበረ ደሞዝ ዕግብቲ ኣይነበርኩን። ኣብ ቅድመይ ሃብትን ገንዘብን ጥራይ’ዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። በቃ ዝገበርኩ ገይረ ክህብትም፡ ነዚ ኣብ ተግባር ከመይ እቕይሮ እናበልኩ ከለኹ’ዩ ድማ ኣቦና ናብ ዓዲ ኩላትና ዝኸደ…” እተን ድፍረት መሊአን ክጥምታኒ ዝጸንሓ ኣዒንታ፡ ፍዝዝ ኢላ ከም ዘስቆርቁራ ገበረተን።

“እሞ ካብ ዕላማኺ ኣይተሰናኸልክን?” ምስቁርቋራ ክዘርጎ ደለኹ። 

“ዝያዳ’ምበር ከም ዝብርትዕ ገይሩኒ!” ድምጻ ክብ ኣቢላ መለሰትለይ። 

“ከመይ ማለት?” ንትብዓታ እናመጐስኩ ዛንታኣ ክትቅጽለለይ ሕቶ ሰንደኹላ።

“ድሕሪ ዕረፍቲ ወላድየይ፡ ብዙሕ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ እናተመላለሰ ከም ዝሓስብ ገይሩኒ። ኣደይ ወፊራ ትኣቱ ብምዃና፡ ብዛዕባ ነብሰይን ከመይ ገይረ ገንዘብ ኣኪበ ሃብታም ይብሃልን ጥራይ’የ ዝሓስብ ነይረ። ነቲ ዝነበረ ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን ከም ዘይክኣል ደምዲመ። በዚ ምኽንያት ድማ ነታ ዘዕበየትኒ ኣደይ፡ ካብ ድኽነት ኣገላጊለ፡ ኣነ’ውን ክዓብየሉ ዝኽእል መበገሲ ሃሰው ኢለ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊተ…” ነቲ እዋን ግዲ ዘኪራ፡ ዘረብኣ ኮሊፋ ኣስገለት።

“ከመይ ሓሳብ ደኣ ጓለይ?” ካብ ዝኽራ መለስኩዋ።

“ናብ ስደት ምምራሕ፡ ኣብ’ቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቦታ ኩሉ ዕላል ጸጽቡቑ ናይ ስደት ጥራይ’ዩ። ነታ ክዕወተላ ዝኽእል እንኰ መገዲ ንሳ’ያ ኢለ ድማ ደምዲመ…”

“እሞ ተዓዊትኪ’ዶ?”

“እወ! ምስ ብዙሓት ሰባት መኺረ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ሃገረ ሱዳን ኣምሪሐ።”

“ጓል ክንደይ ዓመት ነይርኪ ማለት’ዩ?” ንዕላላ ኰሊፈ መዓስ ከም ዝኸደት ንምፍላጥ ተወከስኩዋ።

“ጓል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ 1986 እዩ ዝኸውን ዘሎ። ልዕሊ ዓቐን ሰሪሐ ክህብትም ጥራይ’ዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። ንሱ እናሓሰብኩ’የ ድማ ተጓዒዘ” ኣኽመስመሰት።

“እሞ ሰሊጡኪ’ዶ?” ፍሽኽታኣ ብምዕዛብ – ተዓዊታ’ያ ዝብል ግምት ኣሕደርኩ።

“ኣብ ሱዳን’ሞ ዋላ ሓደ ክሰልጠኒ ኣይክኣለን። ኮፍ ኢልካ ትውዕል – ኮፍ ኢልካ ትሓድር’ዩ ነገሩ። ብዘይ ስራሕ ከባቢ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተኸላቢተ። ግና ኣብ መወዳእታ ሰሊጡኒ። ብመገዲ ደላላይ ናብ ኩዌት ኣምሪሐ። በቃ ሰራሕተኛ ገዛ ኮይንካ ሃብቲ ምንዳይ…”

“ድሕሪ’ዚ ኹሉ ጉዕዞ፡ ባህጊ ሰሚሩ’ዶ?” ባህጋ ክሰምረላ እናተተስፈኹ ተወከስኩዋ።

“ስደት ገደል’ዩ፡ ኣብ’ቲ መጀመርታ ብጣዕሚ’ዩ ዓቕለይ ተፈታቲኑኒ። ሃሩር፡ ጋሻ ምዃን፡ ኣይትውጽኢ – ኣይትእተዊ መዓት’ዩ በጃኻ! ዕላማ ስለ ዝነበረኒ ግና፡ ንኹሉ ክጻወሮ’የ ፈቲነ። ሰሪሐ ገንዘብ ክእክብ ጥራይ’ዩ ነይሩ ዕላማይ። ናይ ለይትን ቀትርን ጸሎተይ…” ንሰማይ ኣንቃዕሪራ ተስፋኣ ከተርእየኒ ፈተነት።

“ሰብ ሓይሊ ሓዊሱ እንተ ጽዒሩ፡ ዓወት ኣብ ቀረባ’ያ ትጸንሖ። ተዓዊትኪ’ዶ መወዳእታ?” ንድልየታ ኣብ ግምት ኣእትየ መዛዘሚ ናይ ባህጋ ክሰምዕ ደለኹ።

“ፈተነ’ዩ! እትሰርሖ ብዙሕ – ዝኽፈለካ ውሑድ’ዩ። እንተ ዀነ፡ ሰብ ሓንሳብ እንተ ኣንቂሉ ዓጋቲ ከም ዘይብሉ ኣብ ሽዑ እዋን’ዩ በሪሁለይ። ሓንሳብ ካብ ወጻእኩ ክማወት ኣለኒ ዝብል ኒሕ ሒዘ፡ ለይትን መዓልትን ተቓሊሰ ደሓን ገንዘብ ከዋህልል ጀሚረ። ብሓጺሩ ንባህገይ ቀስ-ብቐስ ኣብ መዕለቢኡ ክርእዮ ጀሚረ…”

“እታ ንበይና ዝገደፍክያ ኣደኺ’ኸ?” ንኣዲኣ ዘይምዝካራ ግር በለኒ። እቲ ኣሕዛኒ ዛንትኣ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር. . . ።

ካልኣይ ክፋል ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት ይቕጽል!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com