Friday , March 29 2024

ሃድን ሓበሬታ! ብበሪሁሉ ብኣማን

ንሓደ ንጥፈት ኣብ ፍልጠት ተመርኲስካ ክተሰላስሎ እንተዄንካ ሓበሬታ ክህልወካ ይግባእ። ሓበሬታ ክህልወካ ድማ ክትሓትትን ክትውከስን ኣለካ።

ናይ ምፍላጥ ህንጡይነትና ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ጥራይ ዝንጸባረቕ፡ ኣብ ግዜ ብጽሕናና ግን ዳርጋ ጠቕሊሉ ዝቕህም ባህርይ ክኸውን ይረአ።


ሓታቲን ፈታሺን ባህርይ ከምቲ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ኣብ ግዜ ብጽሕና እውን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ተማሂርካ እትረኽቦ፡ ሓቲትካን ተወኪስካን እትረኽቦ ሓበሬታ ንኣተሓሳስባኻ ብዝያዳ ከስፍሖ ይኽእል።

ዋላ እኳ ትምህርቲ ኣገዳሲ እንተኾነ ልኡም ተቐባሊ ሓበሬታ ክገብረካ ይኽእል’ዩ። ምሕታትን ምውካስን ግን ንጡፍ በርባሪ ሓበሬታ ይገብረካ።


ትምህርቲ ከየጸገቡ ህንጡያት ሓተትቲን ተወከስትን ስለዝነበሩ ጥራይ ንዓለምና ዝልውጥ ምህዞታት ዘበርከቱ ሊቃውንቲ ዉሑዳት ኣይኮኑን።

ግዜኦም ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ጥራይ ኣባኺኖም ጊልያታት ክልሰ-ሓሳብ ዝኾኑ እውን መሊኦም እዮም።


ኣብዚ ዓለም እቶም በቲ ህንጡይን ዘይዓግብን ናይ ፍልጠት ሸውሃቶም ተደሪኾም ወትሩ ዝሓቱን ዝውከሱን ሰባት ንህይወት ክመልኩ ዝሕግዞም ጥበብን ፍልጠትን ረኺቦም እዮም። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን እካበ ሓበሬታ ንበይኑ እኹል ዘይምዃኑ እዩ።

እዚ ማለት እቲ ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት እትረኽቦ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኻ ተመስሪሑ ኣብ ውሽጥኻ ሰረት ክሕዝ ኣለዎ።


ብግቡእ እተመስርሐን በብእዋኑ ብዝቕልቀል ሓድሽ ሓበሬታ እናሃብተመ ዝኸይድን ፍልጠት ንደረጃ ብስለትካ ክብ ኣብ ምባል ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ስለዚ ወትሩ ምንጭታት ሓበሬታ ካብ ምጽንጻን ኣይትቆጠብ! ካብ ዓይኒ ማይ ሓበሬታ ኣይትርሓቕ! ሓበሬታ ክትረክብ ዘኽእሉኻ ሕቶታት ካብ ምሕታትን መወከሲታት ሃሰው ካብ ምባልን ድሕር ኣይትበል!


እቲ እትሃድኖ ሓበሬታ፡ ህይወትካን ኣተሓሳስባኻን ንምቕያር ዝጠቕመካ ሓበሬታ ክኸውን ይግባእ።

ካብ መንጐ እቲ ኣብዚ ዓለም ዝርከብ ሚልዮናት ሓበሬታታት፡ ነቲ ከም ሰብ ዘማዕብለካን ኣብ ዕብየት ሕብረተሰብካ ኣወንታዊ ተራ ንኽህልወካ ዝሕግዝን ሓበሬታ ጥራይ መሚኻን ነፊኻን ናይ ምቕባል ልምዲ ክተማዕብል ይግባእ።

ሓቀኛነት ናይቲ ምንጪ ኣረጋጊጽካን፡ ምስ ካልእ ምንጪ ኣመሳኺርካን ዘይትጥቀመሉ ሓበሬታ ኣዕናዊ ክኸውን ስለዝኽእል ኣብቲ ናይ “ሃድን ሓበሬታ” ንቕሎኻ ኣቐዲምካ ክትሓስበሉ ይግባእ።


ነቲ እትረኽቦ ሓበሬታ ኣብ ምንታይ መዓላ ከም እተውዕሎ ምፍላጥ ንባዕሉ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ፍልልያት ንምፍጣር፡ ኣብ መንጐ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ጽልኢ ንምስዋር፡ ባህልን ስነ-ምግባርን ሕብረተሰብ ንምብራዝ ዝውዕል ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።

እቲ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ሓበሬታ እተካይዶ ሃድን እምበኣር ነዚ መምዘኒታት እዚ ዘማልእ ምስ ዝኸውን፡ ሃድንካ “ሃድን ሓበሬታ” ጥራይ ዘይኮነ “ሃድን ሓቂ” እውን እዩ ዝኸውን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com