Friday , March 29 2024
Ariel Henry speaks during his appointment as the new Prime Minister in Port-au-Prince, Haiti, (AP Photo/Matias Delacroix) HTI108

ሃገረ ሀይቲ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ

ወዲ 71 ዓመት፡ ኣርየል ሄንሪ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሃገረ ሀይቲ ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ክብል ንጸብጻብ ሮይተርስ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረን ድሕሪ መቕተልቲ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝነበረ፡ ጆቬነል ሞይሲ፡ ንነብሱ ከም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝሾመ፡ ክላውድ ጆሰፍ፡ ንረብሓ እታ ሃገር ብምቕዳም፡ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣልየ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሽየም ዘሎ ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ቀንዲ ዕማም ናይዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብታ ሃገር፡ ምርግጋእ ንምፍጣርን፡ ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ ቀውዒ ዝካየድ ፕረዚደንታውን ባይቶኣውን ምርጫታት፡ ምድላዋት ክገብርን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com