Thursday , April 18 2024
In this image made from UNTV video, Sweden's Prime Minister Stefan Lofven speaks during the U.N. General Assembly, Sustainable Development Goals, at U.N. headquarters, Monday, Sept. 20, 2021. (UNTV via AP) UNRD127

ሃገረ ሽወደን፡ ንማዕከን ኮቫክስ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ሂባ

ሃገረ ሽወደን፡ ንኣህጉራዊ ማዕከን ኮቫክስ፡ ተወሳኺ ክታበት ኮቪድ፡ ብመልክዕ ሓገዝ ክትህብ ምዃና ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ንኣህጉራዊ ማዕከን ኮቫክስ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓገዝ ሂብና ኔርና፡ ዝበለ ሎቬን፡ ሕጂ ድማ ዕጽሪ ናይቲ ዝሃብናዩ ብመልክዕ ሓገዝ ክንህብ ኢና ክብል ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢላ ሽወደን፡ ኣስታት 3.7 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ንማዕከን ኮቫክስ ሂባ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዓመተ 2022 ድማ ዝበዝሐ ፍርያት ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ተወሳኺ 3.7 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትህብ ምዃና ገሊጻ።

ኣየነይቲ ሃገር፡ ናይ ክታበት ሓገዝ ከም እትረክብ፡ ብማዕከን ኮቫክስ፡ ዝውሰን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣፍጋኒስታንን ሞሮኮን፡ ነፍሲ ወከፈን 250 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ክወሃባ እንከለዋ፡ ሶርያን ቶጎን ድማ ነፍሲ ወከፈን 200 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ምውሳደን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com