Tuesday , April 16 2024

ሃገረ ቤልጁም፡ ቤት ምግብታት፡ ክትከፍት እያ

ሃገረ ቤልጁም፡ ካብ ዕለት 08 ግንቦት ጀሚራ፡ ነቶም ካብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ናይ ደገ ኣገልግሎት ዝህቡ ቤት ምግብታት ክትከፍት ምዃና ሓደ መንግስታዊ ምንጪ ሓቢሩ ክትብል፡ ጋዜጣ ለ ስዋር ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት፡ ኣብቲ ዕለት ክለዓል ምዃኑ ተፍሊጡ ኣሎ።

ሽሕ’ኳ ናይ ምግቢ ኢንዱስትሪታት፡ ኣብ መጀምርያ ወርሒ ግንቦት፡ ስረሐን ክጅምራ ተስፋ ገይረን እንተነበራ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ክጽበያ እየን።

ካብ ጽባሕ ሰንበት ጀሚራ፡ ሃገረ ቤልጂም፡ ናብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝግበር መገሻ ከተፍቅድ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ። ካብ ዕለት 26 ሚያዝያ ጀሚረን፡ ትካላት መስተኻኸሊ ጽጉሪ ርእሲ ስረሐን ክጅምራ ምዃነን ውን ኣፍሊጣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com