Friday , April 19 2024

ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ መንጎ ክታበታት ዘሎ ግዜ ተናውሕ

ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ መንጎ ቀዳመይትን ኣልኣይትን ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን፡ ዘሎ ግዜ፡ ካብ 6 ሳምንታት ናብ 12 ሰምንታት ከምዝናዋሕ ከምዝገበረትን፡ እዚ ድማ ንኹሎም ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ዓመትን ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ምዃኑ ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ምኽሪ፡ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ውሑዳት ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝረኽቡ፡ ዝበዝሑ ሰባት ቀዳማይ እብረ ክታበት ከምዝረኽቡን በዚ ድማ፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክብ ክብልን፡ ብኻልእ ሕማማት ንኸይጥቅዑን መጠን ሞት ክጎድልን ክሕግዝ እዩ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ኖርወይ፡ ቤንት ሆዊ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

በዚ ኣገባብ ክታበት፡ ኩሎም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 44 ዘለዉ ሰባት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ክታበት ክረኽቡ እዮም። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተወጠነ ግዜ፡ ማለት መጨረሽታ ወርሒ ነሓሰ፡ ብሓሙሽተ ሳምንታት ከቐድሞ ማለት እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com