Thursday , March 28 2024

ሃገረ ኖርወይ፡ ዶባ ሰጊሮም ንዝሰርሑ፡ ዶባታት ትኸፍት

ዶባት ሃገረ ኖርወይ፡ ካብ ዕለት 28/01/2021 ጀሚሩ ከምዝዓጸወት ይዝከር። እቶም በዚ ውሳኔ ቀንዲ ዝተጎድኡ እንተድኣ ሃልዮም ድማ፡ እቶም ካብ ሽወደንን ፊንላንድን ተበጊሶም ዶብ ኖርወይ ሰጊሮም ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ምዃኖም ይፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ደሞዞምን ናይ መድሕን ኣገልግሎትን ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሶልበርግ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበን ብዛዕባ ጉዳይ ናይቶም ካብ ሽወደን ናብ ኖርወይ እናተመላለሱ ዝሰርሑ ሰባት ኣመልኪቶም ድማ፡ ከቢድን ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ክብሉ ከምዝተዘራረቡ፡  ሎቪን፡ ንማዕከን ዜና ተተ ሎሚ ንግሆ ከምዝሓበረ ተፈሊጡ።

ሃገረ ኖርወይ፡ ካብ ዕለት 01/03/2021 ጀሚራ፡ ዶባታ ነዞም ካብ ሽወደንን ፊንላንድን ናብታ ሃገር እናተመላለሱ ዝሰርሑ ሰባት፡ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ሎሚ ንግሆ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ መስርሕ፡ ንውጽኢት መርመራ ኮሮና ብዝምልከት ጥቡቕ ዝኾነ ምክትታል ክህልዎ ምዃኑን፡ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ እንተ በዝሐ፡ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ዕድመ ዘለዎ ኣሉታዊ ምስክር መርመራ ኮቪድ-19 ከቕርቡ ክሕተቱ ምዃኖም ኣፍሊጣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com