Thursday , April 25 2024

ሃገረ ዩክሬን፡ ንባህላዊ ጸብሒ፡ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ክወሃቦ ትጽዕር።

ሃገረ ዩክሬን፡ ትማሊ ዓርቢ ብ ኦንላይን ኣብ ዝፈነወቶ ናይ ምኽሻን በዓል፡ ነቲ ቦርሽ-ቢትሩት፡ ዝበሃል ዓይነት ባህላዊ መግቢ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ክወሃቦ ድርኺት ጌራ’ላ።

እዚ ዓይነት መግቢ፡ ብዘይካ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ሩስያ እውን ልሙድ ምዃኑን ብወገን ፖላንድ ድማ ባርዥ እናተባህለ ከም ዝጽዋዕ ይፍለጥ።

ትካል ዕቃበ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ው.ሕ.ሃ. ናይ ገለ ሃገራት ባህላዊ መግቢ ከም ቅርሲ ዓለም ኣፍልጦ ክህብ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

ሚኒስተር ባህሊ ዩክሬን፡ ብህቡብ ከሻናይ፡ የህቨን ክሎፖቴንኮ ጌራ ነቲ መግቢ ብምድላው፡ 25 ተወከልቲ ኲለን ሃይማኖታት እታ ሃገር ዝተረኽቡሉ ናይ ምሳሕ ዕድመ አአንጊዳ’ላ። እዚ ዓይነት መግቢ ኣበየ ከባቢኡ ብዝተፈላለየ ቅዲ ከም ዝዳሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ናይ ዩክሬን ተበግሶ ብቐንዱ ምስ ሩስያ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድድር ዝደረኾ እዩ ክብሉ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። ሩስያ ብዓመተ 2014 ንሓውሲ ደሴት ክሪምያ ድሕሪ ብሓይሊ ምጒባጣ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ወጥሪ ምኽሳቱ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ሩስያ፡ ቦርሽ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት መግብታት ኮይኑ ከም ባህላዊ ትእምርቲ ሩስያ እዩ ዝረአ ዝብል ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሰዲዱ ኔሩ እዩ።

ሚኒስተር ባህሊ ዩክሬን፡ ኦሌክሳንድር ትካቼንኮ፡ ብወገኑ፡ ቦርሽ፡ ባህላዊ መግቢ ዩክሬን ምዃኑ ኣሽምባይ ንሕና ወጻእተኛታት እውን ይፈልጥዎ እዮም ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com