Friday , April 26 2024

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ንሽማግለታት ክትህብ ምዃና ትሕብር

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ዝኾነ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ክትወግእ ክትጅምር ምዃና በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሓደ እንግሊዛዊ መጽናዕቲ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋ ሕማም ኮቪድ-19 ክንኪ ከምዝኽእል ዝሕብር ውጽኢት ድሕሪ ምቅላሑ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዘለዎ ጽልዋታት ዝሕብር እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ክታበት፡ ንትሕቲ 65 ዓመት ዕድሚኦም ሰባት ጥራይ ክወሃብ ከምዝጸንሐ ይዝከር።

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ብዙሓት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሽማግለታተን ክወግኣ ጀሚረን ምህላወን ይፍለጥ። ሃገረ ጀርመን ውን፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሽማግለታታ ክትወግእ ምዃን ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

ሽወደን ብወገና፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምዘመሓላለፈት፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com