Tuesday , April 16 2024

ሃገረ ጀርመን፡ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ንምዕዳግ፡ ዝርርብ ጀሚራ

ሃገረ ጀርመን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚራ፡ ንኹሎም በጽሕታት፡ ክትከትብ መደብ ኣውጺኣትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ምስ ሩስያዊ ኩባንያ ክታበት ስፑትኒክ-ቪ፡ ዝርርብ ከምዝጀምረት ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ስፓሃን፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

በዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ፡ ካብ ዕለት 10 ግንቦት ጀሚሩ፡ ንክታበት ስፑትኒክ-ቪ፡ ከጽንዖ ክጅምር ምዃኑ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ሃገረ ጀርመን ግን ኣቐዲማ ክትወዓዓል ከምዝመረጸት ተሓቢሩ።

ሃገረ ጀርመን፡ ምስ ሩስያዊ ኩባንያ ክታበት ስፑትኒክ-ቪ ዝኣተወቶ ውዕል፡ ሰለስተ ግዜ ነናይ 10 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ንወርሒ ሰነ፡ ሓምለን ነሓሰን ዝኸውን ንኸቕርበላ ምስምማዓ፡ ነቲ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት ዝህቦ ናይ ተቐባልነት ውሳኔ ዘአንፍት እዩ ክብል ሓላፊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሳክሶኒ፡ ሚካኤል ክሬሽመር (Michael Kretschmer) ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንፍርያት ቻይና ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ሲኖቫክ፡ ካብ ዕለት 26 ሚያዝያ ክምርምር ክጅምር ምኳኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com