Tuesday , April 23 2024

ሃገራት ኣውሮጳ ንኣማኢት ሚሊሻ ዳዕሽ ናብ ቤትፍርዲ ከቕርባ ትራምፕ ጸዊዑ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንብሪጣንያ ፈረንሳይ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነዞም ልዕሊ 800 ዝኾኑ ኣብ ሶርያ እተማረኹ ወተሃደራት ዳዕሽ ናብ ፍርዲ ከቕርባ ጸዊዑ’ሎ።

“መንግስቲ ዳዕሽ ክወድቕ ዝተረፎ የብሉን። እቲ ካልእ ኣማራጺ ጽቡቕ ኣይመስለንን” ክብል ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ገሊጹ።

“እንተዘይኮይኑ ግና ኣመሪካ ነዞም ሚሊሻ ክትለቆም ክትግደድ እያ” ድማ ኢሉ። ወኪል ጸጥታ ሽወደን ብወገኑ ኣብ ሶርያ ብዙሓት ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎም ኣባላት ዳዕሽ ምህላዎም ዝበዝሑ ሞይቶም ገለ ኸኣ ተመሊሶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ’ሎ።

ብመንግስቲ ሶርያ ዝድገፉ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ናይ መወዳእታ ደጀን ኣልቓዒዳ ዳግማይ ንምቊጽጻር ዝተረፎም ከም ዘይብሎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ” እዞም ባእታታት ናብ ኣውሮጳ ሰሊኾም ከይኣትዉ ስግኣት” ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። “ንሕና ዛጊት ብዙሕ ዕማምን ወጻኢን ሸፊንና ኣሎና።

ካልኦት ድማ ኢደይ ኢድካ ክብላሉ ዝግባእ ግዜ ኢና ዘሎና” ድሕሪ ምባል እቲ ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተሳዕረ መላእ ሰራዊቱ ክስሕብ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ዳዕሽ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ስፍሕ ዝበለ መሬት ተቘጻጺሩ’ኳ እንተነበረ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ግና ገዚፍ ስዕረት ወሪድዎ ናብ ጸ በብቲ ወረዳታት ከም እተደፍአ ይፍለጥ።

ይዂን’ምበር ዛጊት ዳዕሽ 3 ሽሕ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ካብ 14ሽሕ ክሳብ 18 ሽሕ ዝግመቱ ዕጡቓት ኣብ ሶርያን ዒራቕን ከም ዘለዉዎ ይግመት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com