Thursday , April 25 2024

ሃገራት ኤዉሮጳ ንምክፍፋል ሓገዝን ባጀትን እቲ ሕብረት፡ ዝነበረን ፍልልይ ብምፍታሕ ተሰማሚዐን

27 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ሳዕቤናቱን ዘኸተሎ ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይን ጎድኒ ጎድኒ ናይዚ ስራሕ ዝተመደበ ናይቲ ሕብረት ናይ ነዊሕ እዋን ባጀትን፡ ንምጽዳቕን እቲ ተመዲቡ ዘሎ ገንዘብ ብኸመይ ንኣባላት ሃገራት ክወሃብ ከምዘለዎ ኣብ ዝብል፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕን ኣሰልቻዉን ዘተ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እተን ሃገራት ኣብ መርገጺታተን ሕድገታት ብምግባር ስለዝተቐራረባ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጻሓ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ እቲ ካብ ሓደ 1000 ቢልዮን ኤሮ ዝዓቐኑ ገንዘብ ብመልክዕ ሓገዝን ኣብ ዉሽጢ 30 ዓመት ዝኽፈል ልቓሕን ኮይኑ ክዕደል ከምዝተሰማምዑ ተፈሊጡ። ኣብቲ ስምምዕ እተን ብኮቪድ 19 ከቢድ ማህሰይቲ ቁጠባ ዝወረደን፡ ሃገራት ደቡብ ኤዉሮፓ፡ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ብሓገዝን ልቓሕን ከምዝዋሃበን ብኣንጻሩ ድማ ንሃገረ ሽወደን ሓዊስካ ቁጠበአን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ከኣ መጠነኛ ሓገዝን ልቓሕን ክበጽሐን ተገሩ ኣሎ።

ሃገረ ሽወደን 3.7 ቢልዮን ኤሮ ብሓገዝ መልክዕ ከምትወስድ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com