Tuesday , April 23 2024

ሃገራት “Brics” ካብ ዕብለላ ሃገራት ምዕራብ ሓራ ዝወጸ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ስርርዕ ክግበር ጸዊዐን።

ኣኼባ መራሕቲ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ጒጅለ ሃገራት “Brics”፥ ኣብ ሳውዝ ኣፍሪካ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባኡ፥ ካብ ዕብለላ
ሃገራት ምዕራብ ሓራ ዝወጸ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ስርርዕ ክግበር ጸዊዑ። ዕላማን ራእይን እዚ ምትእኽኻብ፥ ኣብዛ ብ ጂኦፖለቲካዊ
ውጥረት፥ ዘይምዕሩይነትን፡ ስእነት ድሕነትን ተኸፋፊላ ዘላ ዓለምና፥ ሓደ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምፍጣር እዩ ክትብል ሚኒስተር
ጒዳያት ወጻኢ ሳውዝ ኣፍሪካ ነለዲ ፓንዶር ገሊጻ’ላ። ብሪክስ ብ ሃገራት ብራዚል፥ ሩስያ፥ ህንዲ፥ ቻይናን ሳውዝ ኣፍሪካን ዝቖመ
ምትእኽኻብ እዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ገበናት ኲናት ኣብዚ ምትእኽኻብ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ሎ። ኣህጒራዊ ቤት
ፍርዲ ኲናት (ICC) ብምኽንያት እዚ ሩስያ ዝፈጸመቶ ገበናት ኲናት መራሒ እታ ሃገር ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም
ዝውዕል ዝገብር ትእዛዝ ምውጽኡን፥ ፑቲን ኣብ ዝመጽእ ነሓሰ ኣብ ከተማ ዮሃንስበርግ ዝካየድ ዋዕላ ብሪክስ ክሳተፍ እንተኾይኑ
ሳውዝ ኣፍሪካ ኣሕሊፋ ክትህቦ ክትግደድ ትኽእል እያ። ብሪክስ ብ ገለ ተንተንቲ ከም መለሳ G7 እዩ ዝርአ። እዚ ምትእኽኻብ
ብቚጠባ ዝሓየላ ሃገራት ዝኾነ G7 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሪይን ንዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር ብትሪ ተቓውሞኡ ከስምዕ ጸኒሑ’ሎ።
ሃገራት ብሪክስ ብጠቕላላ 3.2 ቢልዮን ህዝቢ ማለት 40% ካብ ህዝቢ ዓለምና ዘጠቓልላ 5 ሃገራት ዝሓኦፈ ምትእኽኻብ እዩ።
ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ኣብ ዝተገብረ ናይ ክልተ መዓልታት ጒባኤኡ፥ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሽንካር
“እዚ ምትእኽኻብ፡ ዓለምና ናብ ብዙሕ ዝዋልታኡ ምትዕርራይ ትኸይድ ምህላዋ፡ ንሓድሽ ኲነታት ብዝበለየ ኣገባብ ምክያድ ከም
ዘይከኣልን ትርር ዝበለ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ኣለዎ” ኢሉ።

"ቀንዲ ማእከል እዚ ሽግር ቊጠባ ዓለምና ኣብ ሒደት ጥራይ ብምእካቡን፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ድንጋጸ እቶም ዝወሓዱ ምውዳቑን
እዩ" ክብል ጃይሸንካር ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ብራዚል ማውሮ ቪዬራ “ኣብ ድኽነት ንዘለዋ ሃገራት ኣብ
ግምት ዘኣቱ ብዙሕ ዝዋልታኡ ሓድሽ ዓለማዊ ስርርዕ ምህናጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ” ክገልጽ እንከሎ፥ ምክትል ሚኒስተር ጒዳያት
ወጻኢ ቻይና ማ ዣሱ ብወገኑ ብሪክስ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ምትንሳእ ዝርከባ ቊጠባታት ዕደጋ ሓገዝ
ክህብ ብዘኽኣሉ ኣገባብ ክሰፍሕ ከም ዝኽእል ኣስሚሩሉ’ሎ።
ኣብ ዓለምና መበል 18 ዝዓበየ ቊጠባ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ሓዊስካ፥ ዛጊት ልዕሊ 12 ዝኾና ሃገራት ኣባል እዚ ምትኽእኻብ
ክኾና ድሌት ከም ዘለወን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com