Thursday , April 25 2024

ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ን ኢንግሊዝ 3 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ኤውረጳ ናሽናል ሊግ ሓሊፋ!!

ብ ቫንዳይች ዝተመርሔ ስጡም ምክልካል ምስ ዝተወሃሃደ መስመር ምጥቃዕቲ ዝወነነት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ን ብመንእሰያት እትቕለስ ዘላ ሃገራዉት ጋንታ ኢንግሊዝ 3 ብ 1 ብምስዓር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ን ፍጻሜ ሰንበት ክትራኸብ እያ። ብመንገዲ አጹም ቅላዕ ካብ ማርኮስ ራሽፎርድ  ቅድሚ ዕረፍቲ  ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ምክልኻላ ተኻላኸልታ ብተደጋጋሚ ብዝፈጸሞ ጌጋታት ሃገራዊ ጋንታ ሆላንድ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ካብቲ ውልዶን የዕንቲ ዓበይቲ ክለባት ሲሒቡ ዘሎ ወድ 19 ዲላይት ኣብመበል 72 ደቂቕ ንጋንትኡ ማዕረ ብምግባር ብማዕረ ውጺኢት ናይ ጽወታ ግዜ ተዛዚሙ።

ኣብ ተወሳኺ 30 ደቒቅ ዋልከር ናብ ገዛእ ልዳቱ ከምዝግባ ከሎ ፡ ፕሮሚስ ድማ 3ይቲ ሸቶ ብምውሳኽ ሃገራዊት ጋንታ  ሆላንድ ናብ መዛዘሚ ሰጊራ።

ሰንበት ኣብ መዛዘሙ ብሉጽ ኣጥቃዒ ዓለምናት እትውንን ፖርትጋል ምስ ብሉጽ ተኸላኻላይ እዛ ዓመትን ዕውት ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ ኤውሮጳ ቫንድይች ዝሓዘት ሆላንድ ነዛ ታርኻዊትን ፈላሚትን ዋንጫ ኤውሮጳ ናሽናል ሊግ መን ዓተረ ክፋጠጡ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com