Thursday , April 25 2024

ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ሽወደን ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ዋንጫ ዓለም ሓሊፈን!!

ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቀ ኣንስትዮ ሃርኣዊት ጋንታ ሽወደን ን መዘንኤን ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ጀርመን 2 ብ 1 ብምርታዕ ናብ ፈርቂ ፈጻሜ ሓሊፈን። በዚ መሰረት ምስ ንሃገራዊት ጋንት ጥልያን ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ብምርኻብ ን ዋንጫ መን ሓለፈ ሰሉስ ክገጥማ እየን።

ሃገርዊት ጋንታ ሽወደን ኣቀድመን ኣብ መበል 16 ደቒቅ እካ ሸቶ እንተተመዝገበን ጸንሔን ብምውህሃድ ኣከታቲለን ኣብ መበል 22 ደቂቅ ካብ ሶፍያ ጃኮብሰን ኣብ 48 ካን ስቲና ብላክስተኑስ ዝረኸበተን ክልተ ሸቶታት እያ ክትዕወት ኪኢላ። ሃገራዊት ሽወደን በዚ ናይ ሎሚ ዓወት ናይ 24 ዕብለላ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ክሰብርኦ ኪኢለን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com