Thursday , April 25 2024

ሃገራዊ በዓልመዚ ኦዲት ንገለ ኣሰራርሓ Sida ይነቅፍ!!

ሃገራዊ በዓልመዚ ኦዲት ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገለ ካብ ኣገባብ ኣሰራርሓ Sida (ዓለማዊ ሽወድናዊ ምትሕግጋዝ ማዕባለ) ኣብ ብዙሓት መዳያት ርኡይ ጒድለታት ኣለዎ ብምባል ነቒፍዎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ እዚ ኤጀንሲ ግዜኡ ብስሉጥ ኣገባብ ኣይጥቀምን እዩ። እዚ ድማ ናይ ሓባር ዕላማን ንነዊሕ ዝጥምት ዕዮን ከም ዘይብሉ ዘመልክት እዩ ድማ ኢሉ። ኣብቲ ኤጀንሲ ክህልዉ ዝግብኦምን ብጥምረት ዝዕየዩን ዝነበሩ ናይ ትንተና፥ ውጥንን ምወላን ንጥፈታት ብተናጸል ከም ዝስርሑ ድማ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ዝተናውሐ ናብ ከቢድ ቅልውላው ከም እትሽመም ብምግባር ከቢድ ክሳራ ግዜ ዘስዕብ እዩ ይብል ኣካያዲ እቲ ትካል ተረስ ብሮሊን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com