Friday , April 19 2024
In this photograph provided by the Indian Army, army officers of India and China hold a meeting at Pangong lake region in Ladakh on the India-China border on Wednesday, Feb. 10, 2021. China and India are pulling back front-line troops from disputed portions of their mountain border where they have been in a standoff for months. Both countries say the troops began the disengagement on Wednesday at the southern and northern banks of Pangong Lake in the Ladakh region. (Indian Army via AP) XDEL101

ህንዲን ቻይናን: ሰራዊተን ካብ ዘሰሓሕብ ዶብ ይስሕባ

ህንዲን ቻይናን ሰራዊተን ካብቲ ዘሰሓሕበን ዶብ ሂማላያ ናብ ምስሓብ መስርሕ ምውድአን ሚኒስትሪ ምክልኻል ህንዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሰራዊት ክልቲአ ሃገራት ብ ቐዳም እዮም ካብቲ ፖንጎንግ ጾ ዝተባህለ ቀላይ ስሒቦም ዘለዉ ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ብሰንኪ ኣብዚ ብግቡእ ዘየተመልከተ ዶብ ዘጋጠመ ግርጭት ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 24 ሰባት ምሟቶም ጸብጻባት የመልክቱ። ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ካልእ ክፋላት እቲ ዶብ ዘሎ ወጥሪ ከህድኣ ተሰማሚዐን ኣለዋ ተባሂሉ።

እዚ ካብ ዘሰሓሕብ ዶብ ሰራዊት ናይ ምንስሓብ ስምምዕ ኣብ 11 ለካቲት ዝተበጽሐ ኮይኑ እዚ ስርሒት ብኸመይ ይሳለጥ ምህላዉ ንምግምጋም ብቐዳም ምዝታዮም ቢቢሲ ጸብጺባ።

ክልቲኣተን ሃገራት ነቲ ስሉጥ ምንስሓብ ብኣዎንታ ምግምጋሞም ፥ እንተኾነ ግና ኣብ ካልኦት ክፋላት እቲ ናይ ሓባር ዶብ ውጥረት ምህላዉ ምግንዛቦም እውን ተመልኪቱ።

እዚ ዶባዊ ሽግርን ወጥርን ንምፍታሕ ቀጻሊ ዘተን ልዝብን ከም ዘድልዮም ክልቲኣቶም ተሰማሚዖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com