Friday , March 29 2024

ህንዲ – ንሰራሕተኛታቱ 600 መካይን ዝሃበ ኩባንያ

ሃሪ ክሪሽና ዝተባህለ ኣብ ንግዲ ኣልማዝ ዝነጥፍ ኩባንያ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ን600 ሰራሕተኛታቱ ነፍሲ-ወከፎም ሓንቲ መኪና ብህያብ ከምዘረከበ መርበብ ሓበሬታ ያሁ ኣፍሊጡ።

ኣብ ህንዲ፡ ዲዋሊ ዝተባህለ ባህላዊ ፌስቲቫል ክቐርብ እንከሎ ህያባት ምልውዋጥ ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ግዝፍን ብዝሕን ዘለዎ ህያብ ግን ተራእዩ ከምዘይፈልጥ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ፌስቲቫል ዲዋሊ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዕለት 7 ሕዳር ክጽንበል ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ዋጋ ናይተን መካይን ብድምር ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኩባንያ ብዘይካ’ዚ ንካልኦት ኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ ናይ ገንዘብ ግንዖታትን ናይ መንበሪ ኣፓርትማታትን ኣበርኪቱ ኣሎ።

ነቲ ኣብ ክፍለ-ሃገር ጉጃራት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ህያብ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ካብ ከተማ ኒውደልሂ ብቪደዮ ቃል ብምስማዕ ተሳቲፍዎ። ኣብ ኒውደልሂ ንዝርከቡ ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኩባንያ ናይ መካይኖም መፍትሕ ከምዘረከቦም እውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com