Wednesday , April 24 2024

ሆላንድ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ

ኣብ ሰሜን ኣሚስተርዳም እትርከብ ከተማ ቦቨንካርሽፕል (Bovenkarspel) ዝርከብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ ክብል ፖሊስ ሆላንድ ሓቢሩ።

በቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ መሳኹቲ ናይቲ ማእከል ከምዝተሓምሸሸን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። እቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻሩ፡ ፖሊስ፡ መርመራ ከካይድ ከምዝጀምረ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻሜ ኮነ ኢልካ ዝተኻየደ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሆላንድ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተኽቲሉ፡ መንግስቲ፡ ዝኣወጆ እዋን እቶ እቶ ብምውቅዋም ሰፊሕ ዝኾነ ኣድማ ከምተኻየደን ከምሳዕቤኑ ድማ እቶም ኣድመኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፡ መመርመሪ ቦታታትን ናይ ክታበት መሳለጥያታት ዝርከበሉ ቦታታት ዕንወት ምውራደም ይዝከር።

ሃገራዊ ምርጫ ሆላንድ፡ ኣብ ዕለት 17/03/2021 ክካየድ ምዃኑ ይፍለጥ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com