Saturday , April 20 2024
Region Skåne is particularly looking for milk from women who have newborns aged between one week and three months. Foto: Pontus Lundahl / SCANPIX / kod 10150

ሆስፒታል ስኮነ፡ ሕጽረት ጸባ ጡብ ኣደ፡ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣብ ሆስፒታል ስኮነ፡ ንቅድሚ ግዜኦም ዝተወልዱ ህጻናት ዝኸውን ጸባ ጡብ ኣደ ከም ዝተሳእነን፡ ኣማራጺ ስለዘይተረኽበ ድማ ካብተን ሓደስቲ ሓራሳት ኣዴታት ተረፍ ጸባ ንኽረክብ የተባብዐን ከምዘሎ ጸብጻብ ጋዜጣ ሲድስቨንስካን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ማልመ፡ ሉንድን ይስታድን ዝርከባ ሆስፒታላት ውን ተመሳሳሊ ሕጽረት ጸባ ጡብ ኣደ ኣጋጢምወን ከምዘሎ ውን ተገሊጹ። ሆስፒታል ስኮነ፡ ካብ ኣዴታት፡ ናይ ሓደ ሰሙን ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ጸባ ጡብ ንኽረክብ ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቲ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ሂወት ምድሓን እዩ ክትብል ኣብ ሉንድ እትርከብ ሓላፊት እቲ ጨንፈር ዝኾነት ሄለን ኣልትሂን፡ ነታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሕጽረት፡ ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ መጠን ወፈያታት ጸባ ጡብ ኣደ ብምውሓዱን መጠን ጸባ ጡብ ኣደ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ህጻናት ምብዝሑን ከም ጠንቂ ክጥቀሱ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ንጸባ ጡብ ኣደ ክትከኦ ዝኽእል ጸባ፡ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 22 ክሳብ 34 ሳምንታት ዘለዉ ህጻናት ከሕቅቕዎ ከመይክእሉ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com