Thursday , April 25 2024

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ቐዳማይ ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ምፍልላይ’የን ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺበን። ክልቲኤን ተሓቛቚፈን ብንብዓት
ክሕጸባ እንከለዋ፡ ኪኖ ናፍቖት ዝኸደ ቃንዛ ከም ዘለወን ንማንም ግሁድ ነበረ። ኣቦአንን ኣዲአንን ግን፡ እንተስ
ኣቐዲሞም ንብዓቶም ወዲኦም ወይ’ውን ብንብዓቶም ከይንበብ ዝኸወልዎ ምስጢር ነይሩ፡ ኣብ ሰሳሎኖም
ተጨቢጦም’ዮም ዝርእይወን ኔሮም። እተን ብመልክዕን መፈላለዪ ዘይብለን ማናቱ ኣሓት፡ ባህርያተን ይኹን
ዝሓለፈኦ ህይወት ግን ዘራኽብ የብሉን። ደሓር ግን ሓደ ዓይነት ዕጫ’ዩ ገጢምወን – ንክብረትን ጸጋን።
እዛ ኣርባዕተ ደቂ ዝወለደት ስድራ፡ ምስ ድኽነት ጽቡቕ ጌራ ተማሓዝያ’ያ ኣሕሊፋቶ። ቅድሚ 20 ዓመታት ግን፡ እታ
ብንእሽቶኣ ኣትሒዛ ወለዳ ንምሕጋዝ ፋሕተርተር ትብል ዝነበረት ጸጋ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምርሐት። ብቐደማ’ውን
ስራሕ ምምራጽ ዘይለመደት ጸጋ ንከርፋሕ ናብራ ስደት ቀልጢፋ’ያ ተለማሚዳቶ። ወለዳን ኣሕዋታን ንምንባይ ድማ፡
ነተን ከርተት ኢላ ዘዋህለለተን ቁሩብ ቁራቦ፡ እርይ ቁጽር ኣቢላ’ያ ናብ ስድራኣ ትሰደን ዝነበረት። ኣሕዋታ
ትምህርቶም ከይሰናኸሉ እናበለት፡ ዘይፈተነቶ ስራሕ ኣይነበረን። ዋላ’ኳ ኣብ መነባብሮ እታ ስድራ ርኡይ ለውጢ
እንተዘየምጽአት፡ ኣሕዋታ ግን ብዘይስክፍታ ትምህርቶም ንኽከታተሉ ዓቢ ኣስተዋጽኦ’ዩ ነይርዎ። እንሀት ድማ
ሎሚ፡ ነተን ኣብ ኢዳ ዝተረፋ ትሕዝቶኣ ሒዛ፡ ጠቕሊላ ናብ ዓዳ መጺኣ።
ኣብ ስደት ከላ፡ ብሰንኪ’ታ “ተመርዓዊ” ትብል ምሕጽንታ ወለዳ፡ ቴሌፎን ክትድውለሎም ከላ ሽቑርር’ያ ትብል
ነይራ። “ኣሕዋተይ ኣብ ዝብጻሕ ከየብጻሕኩ ኣይምርዖን’የ፡” ትብል ነቓጽ መልሲ ሒዛ ድማ ግዜ ጋላቢ
ከይሰመረላ ተወንጨፈ። ተፈጥሮ መልክዕ ዘይበቐቐላ ክብረት ሓፍታ ድማ፡ “ዘመናዊት” ተባሂላ እናተጸውዐት፡ ግዜ
ሴፉ ሒዙ ጸኒሑዋ። ደቂ ገዛውታ፡ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ስዋታት’ዮም ክራሮም ሒዞም ዝደርፉላ ነይሮም።
“ዘመናዊት ጋላቢ’ዩ ግዜ ይቕረ ዘይብል፡ ዘይሰምዕ ኑዛዜ ዘመናዊት ቃላታ መቓልሕ ቀጻዒ’ዩ፡ ሴፉ ኣለዎ
ጽባሕ።” ተባሂሉ ክድረፈላ ከሎ፡ ቅጭጭ ከይበላ ኣእዳዋ ነጺጋትሎም’ያ ትኸይድ ዝነበረት። ናይ ሎሚ ንብዓታ
ድማ፡ ሰርቢ ናይ ትማሊ ነጎዳ ሀይሀይታኣ’ዩ።
“ጸጋ ሓብተይ በዲለኪ’የ ይቕረ በልለይ። ይቕረ በልለይ፡ ንነብሰይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ከይኣክል፡ ንዓኺ’ውን
በዲለኪ’የ። በጃኺ ይቕረ በልለይ” ኢላ ኣብ ብርካ ምስ ወደቐት፡ ጸጋ ግን ጋን’ያ ተሰሪሓ።
“እንታይ ኢኺ በዲልክኒ ክብረት ሓፍተይ። በጃኺ ከምኡ ኣይትበሊ ክብረተይ፡” ንብዓት ጸጋ’ውን መመሊሱ ዛረየ።
“ክብረት ኣይትበልኒ። ኣነ ክብረተይን ክብረት ስድራይን ዘፍኮስኩ መዋእለይ ስለ ዘንባዕክዎም፡ ይቕረ ይኹንኪ
በልኒ።”
“እንታይ በዲልክኒ’የ እሞ ይቕረ ክብለልኪ። ኣቦ፡ ኣደ እንታይ’ያ ኾይና?” ናብ’ቶም ንውሽጢ ዝነብዑ ዝነበሩ
ዝመስሉ ወለዳ ጠመተት። መልሲ ካብ ጸገም ክትረክብ ከኣ ፈተነት።
“ዘመናዊት ነፍዩ እዩ ዘመን፡ ጽባሕ ንግሆ ማዳኡ ዘይክወል’ ክብሃለለይ ከሎ ኣይሰማዕኩን – እናሰማዕኩ
ጸሚመ።”
“እንታይ!? ኣቦ እንታይ’ያ ትብለኒ ዘላ? ክብረት እንታይ ኢኺ ትዛረቢ ዘለኺ?” ጸጋ ትሰምዖ ዝነበረት ምእማን
ሰኣነት።
“ምሕጋዝ ኣብየኪ ጸጋ ሓፍተይ። ኣነ ቁሩብ እንተዝሕግዘኪ ነይረ፡ ንስኺ ኣሕዋተይ ክትብሊ ብዘይ ውላድ
ኣይምነበርክን። ንኢሰ ጸጋ ሓብተይ – ይቕረ በልለይ።”
“ኣልግሲ፡ ባዝራ!” ኢሎም ብድድ በሉ ኣቦአን። “እንታይ ኮይና’ያ ጸጋ ጓለይ ዘይትወልድ!? ምርቓ ጠኒሳ፡ ምህሮ
ኣሕዋታ ወሊዳ’ያ። መዓርጎም’ዮም ደቃ። ወይልኺ ደኣ ንስኺ. . .” ኢሎም፡ እታ ሓቢኦማ ዝጸንሑ ምስጢር
ክትነትጎም ሓሰበት። በዓልቲ ቤቶም ድማ ብስንባደ ጠመተቶም። “እግራ ከይኣተወት ዲኹም ዓቕሊ ስኢንኩም”
ብዘሰምዕ ኣጠማምታ ድማ ጠመተቶም። ንሶም’ውን ኣፎም ሒዞም ኮፍ በሉ።

“እንታይ ትዝረብ ኣለኻ ኣቦ? እንታይ ማለት’ዩ ‘ወይልኺ ደኣ ንስኺ’? እንታይ’ዩ ባዝራ ኢልካ ዘረባኸ? ክብረት
ሓፍተይ ዝኾንክዮ’ንዶ ንገርኒ። እንታይ ዝሓባእኩምለይ ኣሎ ድዩ? ኣደ! ተዛረቢ’ባ።”
“ኣንቲ ጓለይ ሓፍትኺ ተጸሊላ’ያ። እግርኺ ከይኣተወ ክንድ’ዚ ሃለውለው’ሞ እንታይ ክንብል ኢና። ክሊ’ቲ
ተስእላ” ብምባል፡ ንክብረት ገንሓኣ።

“ይቕረ ጥራይ በልለይ ጸጋ ሓብተይ። ኣነ ወላ ሓንቲ ኣይኮንኩን። ንዓኺ’የ በዲለኪ። ብሰንኪ ጽጋበይ ማህጸንኪ
ኣምኪነዮ – ይቕረ በልለይ።”
“እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ
ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ።
“ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ
ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ
ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ ብጥዕናኺ ዓድኺ
ተመለስኪ’ምበር፡ እታ ዝሓሰብክያ ሰለ ዝሰመረትልኪ ዘጉሂ የብልክን። ሓፍትኺ’ውን ዝኾነቶ የብላን፡” ኣደአን
ዘረባ ክጠዋውያ ጀምራ። ጸጋ ግን ዕንድቲ ተቐይራ ብምሉእ ልባ ትሰምዓ ኣይነበረትን። ማእለያ ዘይብሎም ሓሳባት
ብሓንሳብ ተደራሪብዋ። እታ ከም ዝተታኸሰት ኣብ ብርኪ ጸጋ ተዓምጺጻ ዝነበረት ክብረት ግን፡ ትሓብኦ ምስጢር
ኣይነበራን። ነቲ ሓቢአዮ እትብሎ ሚስጥር ድማ ክትነግራ ጀመረት. . ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com