Friday , April 19 2024

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ካልኣይን መወዳእታን ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ
ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ።
“ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ
ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ
ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ ብጥዕናኺ ዓድኺ
ተመለስኪ’ምበር፡ እታ ዝሓሰብክያ ሰለ ዝሰመረትልኪ ዘጉሂ የብልክን። ሓፍትኺ’ውን ዝኾነቶ የብላን፡” ኣደአን
ዘረባ ክጠዋውያ ጀምራ። ጸጋ ግን ዕንድቲ ተቐይራ ብምሉእ ልባ ትሰምዓ ኣይነበረትን። ማእለያ ዘይብሎም ሓሳባት
ብሓንሳብ ተደራሪብዋ። እታ ከም ዝተታኸሰት ኣብ ብርኪ ጸጋ ተዓምጺጻ ዝነበረት ክብረት ግን፡ ትሓብኦ ምስጢር
ኣይነበራን። ነቲ ሓቢአዮ እትብሎ ሚስጥር ድማ ክትነግራ ጀመረት. . ።
“ጸጋ ሓፍተይ፡ ግብረይ ጥራይ ዘይኰነ ዕጫይ እውን’ዩ ለኪሙኪ። ኣነ ክፍጠር ዘይነበረኒ ቅርስስቲ’የ። ገለን
ብማይ ገለን ሰኣን ማይ ኮይኑ፡ ንስኺ ኣሕዋተይ ክትብሊ፡ ኣነ ኸኣ ቁንጅናይ እናበልኩ ክምካሕ ሓደ ኾይኑ ዕጫና።
እዋይ ኣነ ቅርስስቲ። ብዛዕባ ናተይ ዘጉህየኒ ኣይኮነን። ንስኺ ግን ብሰንኪ ናተይ ሂልሂል ምባል፡ ብሰንኪ ናብራ ገዛይ
ዘይምርኣይ ኢኺ ብዘይ ሓድጊ ተሪፍኪ – በጃኺ ይቕረ በልለይ።”
“እንታይ’የ ዝሰምዕ ዘለኹ። እንታይ’የ ገይረኩም ክንድ’ዚ ተጨንቑኒ። እንታይ ዕጫ’ዩ ኣጋጢሙኪ እቲ
‘ዕጫይ’ እናበልኪ ትደጋግምዮ ዘለኺ? እዋይ ኣነ ቅርስስቲ ዘይሰምዖ የብለይን! ደቅኺኸ? ሓዳርኪኸ? ክብረት
እንታይ ኢኺ ከተስምዕኒ ደሊኺ!? ኣቱም ሕማቕ ከትሰምዑኒ በጃኹም።” ሕማቕ ወረ ከይትሰምዕ ኣእዛና
ብኽልተ ኣእዳዋ ዓጸወት። ክልቲኦም ወለዳ ከኣ፡ ዓቚረሞ ዝጸንሑ ውሕጅ ንብዓቶም ፈነውዎ።
ወለዳ፡ ነታ “መልክዐይ በቃ” እናበለት ፈቐዶኣ ትዕንድር ዝነበረት ክብረት ጓሎም፡ ገኒሖምን ምዒዶምን ምስ
ረብረቡ፡ ሓዳር ከም ዘይተገብር ምስ ቀበጽዋ፡ “ውላድስ ይትረፈና፡ ሕማም ጥራይ ከይተምጽእልና” ኣብ
ምባል’ዮም ኣትዮም። ጸሎቶም ድማ ንሳ’ያ ነይራ። ካብ ገዛ ወጺኣ ንበይና ክትቅመጥ ምስ ጀመረት ብፍላይ፡
ወትሩ ብጥዕናኣ እናተሸቑረሩ’ዮም ዝነብሩ ነይሮም። ነታ ኣብ ስደት ዝነበረት ጸጋ ጓሎም ግን፡ ኣብ ርእሲ ቃንዛኣ
ቃንዛ ከይውስኹላ ብምባል፡ ሓፍታ ሓዳር ገይራ ምስ ክልተ ደቃ ማሚቛ ትነብር ከም ዘላ’ዮም ዝገልጹላ ነይሮም።
ክብረት ባዕላ እንተኾነት’ውን ብኸምኡ’ያ ትነግራ ነይራ። ሳሕቲ ተሌፎን ኣብ ዝደወለትሉ፡ “ንደቅኺ ከኣ
ሰዓምለይ” ክትብላ ከላ’ውን፡ ክስዕመልኪ’የ ሕራይ በዓል ቤተይ ከኣ ሰላም በልለይ ኢሉኒ ነይሩ” እያ ትብላ
ነይራ። ደቂ ሓፍታ ክትስዕም እናተጸበየት’ያ እምበኣር፡ ነቲ ተካል ስማዕ ከስምዑዋ ጎቦ-ጎቦ ዝብሉ ዘለዉ።
“ክብረት ሓፍተይ ደቅኺ ኣበይ ኣለዉ? በዓል ቤትኪ ኣበይ ኣሎ? ኣቲ መልስለይ’ንዶ፡” ዓቕላ ጽብብ ኢሉዋ፡ ትንፋሳ
ክቆራረጽ ጀመረ።
“ሰብኡተይ ኣብ ኩሉ ፈቐዶ ኣስመራ ኣለዉ። ደቀይ ከኣ ፈቐዶ…”ኢላ ንሳ’ውን ልኽት በለት።
“እዋይ ኣነ ዘይሰምዖ ዘይብለይ፡” ኢላ ዝርግሕ በለት።
“ጸጋ፡ ጸጋ፡ ጸጋ ሓፍተይ ኣነ’ኳ ብጽጋበይ ዘምጻእኩዎ’ዩ – ጸጋ” እናበለት ክትንቕንቓ ምስ ጀመረት፡ “ውጽኢ ኣንቲ
ስርኤል” ኢሎም ኣቦኣን ኣዲኣን ነው ኣበልዋ። ኣዲአን ድማ ጨርቂ ኣተርኪሰን ኣብ ኣፍ ልቢ ጸጋ ብምግባር፡
ብስምባደ ኣንቀጥቀጣ። ክብረት ድማ ካብ ዝወደቐቶ ከይተንሰት፡ “እዋይ ኣነ ሓፍተይ ቀቲለያ። እዋይ ኣነ ድኻም
ልቢ’ኳ ይህሉዋ” እናበለት ቀባሕባሕ ትብል ነበረት።
“መዓስ ሎሚ ኮይንኪ ዝቐተልያ ደኣ። ቀደም ኢኺ’ኳ ቀቲልክያ። ኪዲ ገዛኺ ካብ’ዛ ዓይነይ ግልል በልለይ፡”
ቃንዛኦም ንውሽጢ ገይሮም ንብዓቶም ክኸላኸሉ ዝጸንሑ ኣቦ ጸረር ኣበሉ። ጸጋ ድማ ኣዒንታ ከፊታ ንኽብረት
ጠመተታ። ክብረት ነድሪ ኣቦኣ ርእያ፡ ሰላሕ ኢላ ካብ’ቲ ገዛ ወጽአት።
ንጽባሒቱ፡ “ደዊልኩምሎምዶ ንበዓል ዮኒ?” ብምባል፡ ነቶም ብሳላኣ ትምህርቶም ብዓወት ዛዚሞም ኣብ
ሰስራሖም ዝነበሩ ኣሕዋታ ደሃዮም ሓተተት። “ከመይከ ደኣ ዋላ ሓደ ኣስመራ ዘይበጽሖ?” ድማ በለት፡
ክትርእዮም ተሃንጥያ።
“እቲ ትምህርቶም ግዜ ከምኡ ኾይኑ፡” በላ ኣዲኣ። እቲ ናይ ትማሊ ሃዋሁው ምቕያሩ ደስታ እናተስመዐን።
“ኣስመራ እንታይ ክባቑጠሎም ኢሉ። ንሶም ግዳ ኣብ ዓዶም፡ ንስኺ’ኳ መዋእልኪ ኣብ ስደት ኣሕሊፍክዮ። ፋዱስ
ቀሪቡኸ ደኣ እቲ በዓል መንደፈራ እንታይ ወሪዱዎ’ዩ ደንጉዩ?” በሉ ኣቦአን፡ ነቲ ኣብ መንደፈራ ዝሰርሕ ሕሳስ ልደ
ወዶም እናዘከሩ።

“በዓል ባጽዕ መጺኡ በሉ ቀዲሙዎ፡” ኢለን ብድድ ኢለን ኣዲአን። ዳርጋ ተመራሪሖም’ዮም መጺኦም። እታ ገዛ
ከኣ ፉሕ ፉሕ በለት። ኣዲኣ ምሳሕ ክቐራርባ ምስ በላ ከኣ፡ “ንኽብረት’ባ ቅድም ጸውዕዋ? ኣበይ ድዩ ገዛኣ፡
ርሑቕ ድዩ?” በለት ጸጋ ብሓባር ንኽምስሑ።
“ንየው በልያ ስማ ከይተልዕልለይ፡ ገጻ ትከወል፡” በሉ ኣቦኣ፡ ገና ሕርቃኖም ስለዘይነፈሰሎም።
“ከምኡ ኣይትበል ባባ። ኩልና ክንጠራነፍ ኢለ ዶ ኣይኮንኩን ጠቕሊለ መጺአ ዘለኹ። ጸላኢና ይፈላለ። ኣብ ሓደ ዓዲ
ከለና ከኣ ክንፈላለ – ደውሉላ፡” ዕስራ ዓመታት መኣዲ ኣሕዋት ስለዘይለኸፈት፡ ክቱር ናፍቖት ነይሩዋ። ትማሊ
ምሸት እንታይ ከም ዘጋጠመ ዘይፈለጠ ንእሽቶ ሓዋ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ዘረባኦም ደዊሉ ክትመጽእ ሓበራ።
ክብረት’ውን ነግ ፈረግ ክትብል ድሕሪ ምርፋዳ፡ ኲነታት ጸጋ ክትፈልጥ ኣብ መገዲ’ያ ነይራ። “መጻእኩ ቀሪበ’የ”
ኢላ ተሌፎን ዓጸወታ።
“ኣነ እገድድ ነዚኣ ክብረት ኢለ ሽም ዘውጻእኩላ። ክብረተይ’ባ ቀንጠጠቶ። ‘ዋይ ኣነ!’ ኢሎም፡ ኣእዳዎም
ዓሚኾም ብርኮም ሃረሙ።
“ባባ፡ ኦሮማይ ኣብ ሕሉፍ ኣይንዛረብ። ንሳኸ እንታይ ጽቡቕ ዶ ረኺባ’ያ። ኣነዶ ኣይሓይሽን ዘይጠዓሰሉ ምርጫ
ዘለኒ። ንሳ’ኳ ብዘይ ውላድ ምንባራ ዘይኮነ፡ ብጣዕሳ እናተሓመሰት ትነብሮ ዘላ ይኸፍእ። ኣነ ደኣ ኪኖ’ዚኦም
ውላድ እንታይ ደልየ፡” ብምባል ነቶም ብንኣሽትኦም ዝገደፈቶም ኣሕዋታ፡ ከም ቆልዓ ርእሶም ደረዘቶም። ክብረት
ድማ ህሩግ በለት። ገና ኣብ ኣፍደገ ከላ፡ ጸጋ ነቶም ክልተ ኣሕዋታ ከም ቆልዓ ርእሶም እናደረዘት ኣብ ማእከሎም
ኮፍ ኢላ ርኣየታ’ሞ፡
“ጸጋ ሓፍተይ ኣቕኒእክኒ” ብምባል፡ ከም ሓድሽ ሓቚፋ ሰዓመታ። ኣቦአንን ኣዲአንን ድማ፡ እቲ ናይ ፈለማ ምሸት
ስምዒት ከይምለስ ሰግኡ፡ ክብረት ነታ ቃል ብምድግጋም “ዕድለኛ ኢኺ፡ ኣቕኒእክኒ” ብምባል፡ ፍሽኽ በለት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com