Thursday , April 25 2024

ለንደን: ተመሃሮ ኣዋልድ ዝበለጸት ፊልም ብምስራሕ ይሽለማ።

ሓንቲ ጀመርቲ ምውሳእ ዝኾና ተመሃሮ ምብራቕ ላንደን ዘሳተፈት ፊልም ሓሙሽተ ዓይነት ሽልማታት ብሪቲሽ ኢንደፐንደንት ፊልም ኣዋርድስ ምዕዋታ ቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብዛ ሮክስ ዝተባህለት ተሸላሚት ፊልም እትዓዪ 17 ዝዕድሜኣ ኮኾብ ተዋሳኢት ከውሰር ዓሊ ድማ ብብሉጽ ናይ ምውሳእ ብቕዓት ተሸሊማ። ተስፋ ዘለዋ ተዋሳኢት ብዝብል እውን ካብ ኣድነቕቲን ሃየስትን ፊልም ብዙሕ ናእዳ ረኺባ’ላ።

ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ተፈታውነት ዝረኸበት ፊልም ሮክስ ሕጂ ኣብ ኔትፍሊክስ ትረአ ምህላዋ ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ካልኦት ተዓወትቲ እዚ ስልማት ወዲ 7 እናሃለወ ናይ ኣማኑአል ገዘ ባህሪ ዝተዋስአ ዲ’ኣንጀሎ ኦሴ ኪሴዱ እዩ። ንሱ’ውን ከም ከውሰር ብሉጽ ተሓጋጋዚ ተዋሳኣይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዛ ፊልም ብዕድመ ዝዓበየ ተዋሳኣይ 83 ዝዕድሜኡ ኣዝዩ ህቡብ እንግሊዛዊ ኮኾብ ኣንቶኒ ሆፕኪንስ እዩ። ኣብዛ ፊልም ሆፕኪንስ ናይ ምርሳዕ ጸገም ዘለዎ ሕሙም ብምዃን እዩ ተዋሲኡ።

ነዛ ፊልም ዝኾና ተዋሳእቲ ንምንዳይ ዳይረክተር ሳራ ጋቭሮን ልዕሊ 1300 ተመሃሮ ምፍታናን ዝበዝሓ ድማ ንምውሳእ ጀመርቲ ምንባረንን ገሊጻ።

ድሕሪቲ ናይ ሽልማት ስነስርዓት ከውሰር ዓሊ “እዛ ፊልም ንገዛእ ርእሰይ ከም ሰብን ከም ተዋሳኢትን ብዝበለጸ ንኽርዳኣ ሓጊዛትኒ እያ” ኢላ።

“ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፊልም ክዋሳእ ፈጺመ ሓሲበዮ እውን እፈልጥ ኣይነበርኩን” ኢላ።

ኣፍራዪት እታ ፊልም ኣሚና ኣዩብ “እዛ ፊልም ናጻና ርሒብን ብዝኾነ ኣገባብ ኢና ሰሪሕናያ” ክትብል ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com