Friday , March 29 2024
Claudio Bresciani/TT

ሊበራላዊ ሰልፊ ንፕረዚደንት ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ብምድጋፍ ምስ ኤስፒዲ ምትሕግጋዝ ከም ዝጅምር ኣጠንቂቑ።

ኣብ ጋዜጣ ኤክስፕረስ ንክትዕ ኣብ ዘቕረብዎ ዓንቀጽ እቶም ሸሞንተ ኣባላት” ንሽወደን ዝሕሻ ኡልፍ ክሪስተርሰን ቀዳማይ ሚኒስተር እንተኾይኑ እዩ” ኢሎም።

ባይቶኣዊ ጒጅለ ሰልፊ ሊበራላውያን 20 ኣባላት ዘለዉዎ ኮይኑ ንክሪስተርሰን ዝድግፉ ካብ ፍርቂ ብኣዝዩ ንእሽቶ ቊጽሪ ዝውሕዱ እዮም።

“ሊበራላውያን ምስ ዴሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ምትሕግጋዝ እንተጀሚሮም ጃሚ ኦክሶን ቀጽሪ ዓቃባውያን ምፍጣሩ ዘይተርፍ ክኸውን እዩ።

እዚ ድማ ንሊበራላዊንት ሽወደን ከዳኽሞ እዩ” ክብሉ እዞም ሸሞንተ ኣባላት ጽሒፎም ኣለዉ። ቅድመ ኲነታዊ ምርጫ እቶም ሸሞንተ ንክሪስተርሰን ዘለዎም ደገፍ ቅድመኲነታዊ እዩ ኢሎም ኣለዉ።

“ዓቃባዊ መንግስቲ ምስ የማናዊ ሰልፊ ወይ SD ክዛተ የብሉን” ዝብል ቀዳማይ ቅድመ ኲነቶም እዩ።

ኣብቲ ዓንቀጽ እዞም ሸሞንተ ኣባላት ባይቶ ኣብ ጒዳይ ምብርዓን ጥንሲን ናጻ ሚድያን ንዝተገብረ እገዳ ሊበራላውያን ከፍሽልዎ ዘይምኽኣሎም ከም ኣብነት ኣልዒሎሞ’ለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com