Wednesday , April 24 2024
Libya’s UN-supported government’s interior minister Fathi Bashagha is interviewed on Wednesday, Jan. 6, 2021 in Tripoli Libya. Bashagha says he hopes that bringing stability to his war-torn country will become a top priority for the Biden administration. Bashagha also told The Associated Press he would be ready to take on the role of prime minister in a yet-to-be-formed unity government. (AP Photo/Hazem Turkia) CAIDK503

ሊብያ: ፈተነ ቅንጸላ ይፈሽል

ብሰንበት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሊብያ ብ ቃፍላይ መካይን ተዓጁቡ እንተጓዕዘ ጠያይቲ ከም እትተኰሰሉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና በቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ምንም ጒድኣት የለን ክብሉ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጹ ሓበሬታታት ኣመልኪቶም።

ሚኒስተር ፋትሕ ባሻቓ ብሰንበት ን ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ነዳዲ እታ ሃገር ምብጻሕ እናገበረ እዩ እዚ ናይ ቅንጸላ ፈተነ ተጌርሉ። ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ እቲ ናይ ቅንጸላ ሓበሬታ ፈሺሉ’ሎ።

ባሻቓ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገብሮ ጻንሒት ሓንቲ መኪና ነተን ናብተን ቃፍላያት መካይን መንግስቲ ድሕሪ ምጽጋዕ ኣድራጋ ተዂሲ ምኽፋታ ገሊጹ።

“እዚ ጒዳይ ሃንደበት ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ብመጽናዕቲ ዝተገብረ እዩ” ክብል ድማ ወዲኹ ሓቢሩ።

ሓደ ካብዞም ኣብ ቅንጸላ ዝተዋፈሩ ሰባት ምስ ሓለውቲ ባሽቓ ኣብ ዝተገብረ ተዂሲ ክቕተል እንከሎ ክልተ ተሓባበርቱ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለዉ። በቲ ናይ ተዂሲ ልውውጥ ሓደ ኣባል ሓለዋ ጸጥታ ምቚሳሉ ተገሊጹ።

ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበን ነታ ሃገር ናብ ምርጫ ዝመርሕን ግዜያዊ መንግስቲ ከተቕውም ምስምማዓ ዝዝከር ኮይኑ፥ እዚ መጥቃዕቲ ነዚ ስዒቡ እዩ ዝኽሰት ዘሎ።

ባሻቓ ካብ 2018 ንደሓር ኣብ መንግስቲ ሃገራዊ ዕርቂ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኮይኑ ክዓዪ ጸኒሑ ኣሎ። ነቶም ኣብ መላእ ሊብያ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ዕጡቓት ብምጥርናፍ ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ምህናጽ ጻዕሪ ክገብር እውን ጸኒሑ’ሎ ።

ኣብ 2011 መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግላፎም እታ ሃገር ኣብ ዘየቋርጽ ዕግርግር እያ ተሸሚማ ጸኒሓ። ስፍሕ ዝበለ ክፋል እታ ሃገር እውን ኣብ ትሕቲ ግብረ ሽበራውያን ኣትዩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ው/ሕ/ሃ ኣብ ሊብያ ጃን ኩቢስ መቲ ፈተነ ቅንጸላ ኰኒንዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com