Thursday , March 28 2024
Foto: Simon Rehnström / SvD / TT / Kod 30386 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) och Expressen **

ሊንደ፡ ሽወደን ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዘይምርድዳእ ክትፈትሕ ድሌት ኣለዋ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ነቲ ቱርኪ ሽወደን ኣባል ነቶ ከይትኸውን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ መሰላ ተጠቒማ እትገብሮ ዘላ ተቓውሞ ኣመልኪታ ምስታ ሃገር ዘለዋ ዘይምርድዳእ ክትፈትሕ ድሌት ከም ዘለዋ፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ መደረ ገሊጻ’። ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃና፡ ኣብ ጸጥታ እቲ ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ጸጥታ ቱርኪ እውን ኣብ ምውሓስ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣመልኪታ። ሽወደን፡ “ግብረሽበራውያን” ተባሂሎም እተወገዙን ኣንጻር መንግስቲ ቱርኪ ዝቃለሱን ውድባት ትሕግዝ እያ ብምባል፡ ቱርኪ ን ኣባላነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣበርቲዓ ክትቃወም ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com