Thursday , April 18 2024

ልዋም ድቃስ ንኽወስደና ዝሕግዛ ሸውዓተ ኣገደስቲ ሜላታት

ብመሰረት ጋዜጣ The Guardian: ናይ ቀትሪ ውዕሎና ከመይ ዓይነት ድቃስ ይወስደና ኣዝዩ ይውስን እዩ። ኣብ ግዳም ዲና ውዒልና ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ናይ ቀትሪ ልምዲና ስምዒትናን ሓሳባትናን ወዘተ ንምሸቱ ከመይ ዓይነት ድቃስ ይህልወና ይጸሉ እዩ። እዘን ዝስዕባ ሸውዓተ ሜላታት ብምልምማድ ልዋም ድቃስ ክንቋደስ ንኽእል ኢና።

1. ድቃስ ኣይኮነለይን እዩ ኣይትበል። ቃላትናን ኣተሓሳስባናን ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጽልዋ ኣለዎም። እንጥቀመሎም ቃላት ንስምዒታትናን ሆርሞናትናን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንድቃስና ናይ ምጽላው ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ድቃስ እናኣበየካ እውን እንተኾነ ንድቃስ ዘይተዓደልኩ እዩ ዝብል ሓሳብ ክሰርጸካ ኣይትፍቀድ።

2. ኣብ እዋን ድቃስ ብርቱዕ ብርሃን ኣወግድ። ንፍቶ ንጽላእ ኣካላትና ንብርቱዕ ብርሃን ዝህቦ ግብረ መልሲ ካብቲ ንደባን ብርሃን ዝህቦ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ቆርበት ኣካልካ ዝህሉ መጠን ሜላቶኒን ዝተባህለ ባእታ ንድቃስ ብዝሰማማዕ ንኽምጠን መታን ድብን ዝበለ ብርሃን ተጠቐም።

3. ኣብ ዓራትካ ቅድሚ ምድያብካ ዘጨንቐካ ኣርእስቲ ምሕሳብ ኣወግድ። ወይ እንድሕሪ ከምኡ ተሰሚዑካ ሓጺር ናይ እግሪ ጒዕዞ (እንተተኻኢሉ ኣብ ኣእዋም ዝበዝሖ ቦታ) ምግባር ኣዘውትር።

4. ቅድሚ ምድቃስካ በረኸታትካ ጸብጽብ። ኣብ ክንዲ ሕማቕ ውዕሎኻን ውድቀታትካን ነቲ ምሳኻ ዘሎ ግና ዘይተማስወሉ በረኸታትካ ኣተኲር። እዚ ኣካላትና ንኽዛነን ንድቃስ ቅሩብ ክኸውንን ይሕግዝ እዩ።

5. ልምዲታትካ ስሩዕ ምግባር። ልምዲታትካ ስሩዓት እናኾኑ ምስ ዝኸዱ ናይ ድቃስ ሰዓትካ እውን ብልምዲ ናብ ኣእምሮኻ ስለ ዝሰርጽ ድቃስ ኣካል ልምድኻ ይኸውን።

6. ምቹእ መንበር ኣዳሉ። ቅድሚ ምድቃስካ ናይ ጽባሕ ውጥም ስራሕካ ኣብ ሓሳብካ እናተመላለሰ እንተሸጊሩካ ኣብዚ ምቹእ መንበር ኣስተርሒኻ ጽባሕ ብኸመይ ከም እትፍጽሞ ሓደ ፕሮግራም ኣዳሉ፥ ከም እትዓሞ እውን ንነብስኻ ኣእምና።

7. ናብ ህልም ዝበለ ጸልማት ምጥማት። ኣብ ዓራት እናሃለኻ ናብ ጸላም ቀው ኢልካ ምጥማት ንድቃስ ዝምችእ መጠን ነዝዒ ሜላቶኒን ክህልወናን ልዋም ድቃስ ክንድቅስን ይሕግዝ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com