Thursday , April 25 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ልዕሊ ርብዒ ካብ መናበይ ዓበይቲ ሶልና ብሞት ተፈልዮም።

ካብቶም ኣብ ሶልና ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ “ ቢርጋ” ዝሰፍሩ ዝነበሩ 96 ኣረጋውያን እቶም 27 ከምዝሞቱ ናብ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ዝቐርበ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሰራሕተኛታት እቲ ቦታ ብሰንኪ ሕጽረት ናውቲ መከላኸልን ዘይጽሩይ ናይ ስራሕ ሃዋሁን ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ይሰርሑ ከምዘለዉ ናይ ድሕነት ተቖጻጸርቲ ምስ ተለቪዥን ሽወደን SVT ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ገሊጾም።

ኩነታት እንዳ መናበይ ዓበይቲ “ቢርጋ” ብጣዕሚ ከቢድ ምህላዉን ዳርጋ ፍርቂ ካብ ሰራሕተኛታት ድማ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ወሲዶም ከምዘለዉን እቶም ተሪፎም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ድማ ካብተን ብቫይረስ ዝተጠቕዓ ናብተን ዘይተጠቕዓ ጨናፍር ክዳውንቶም ይኹን ጓንትታቶም ከይቀየሩ ከምዝንቀሳቐሱ እቲ ብዕለት 21/04/2020 ናብ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ዝተጻሕፈ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com