Thursday , April 25 2024

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ኣባይቲ ማሕበራዊ ክንክን (HVB)ምግጣሙ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ኣባይቲ ማሕበራዊ ክንክን ምግጣሙ ተገሊጹ።

መጽሄት Vicorevi ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ ከም ዘረጋግጾ ኣብ ኣባይቲ ክንክን 106 ዝኾኑ ካብ ጾታዊ ምድፋር ክሳብ መጥቃዕቲ ዝብጽሑ ዓመጻት ምክያዶም ተፈሊጡ።

ብመሰረት እዚ ዳህሳስ 133 ዝኾኑ ትሕቲ 25 ዝዕድሜኦም መንእሰያት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ኣባይቲ ክንክን ጥዕና (HVB) ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ጠበቓ ጾታዊ ገበናት Silvia Okerman መንግስቲ ኣብ ኣባይቲ ክንክን ጥዕና (HVB) ንዝርከቡ ሰባት ሓለዋ ክገብር ሓላፍነት ከም ዘለዎን እዚ ፍጻመታት ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ክትብል ኣማሪራ።

እዚ መጥቃዕቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜን ብስሩዕን ይፍጸም ከም ዝነበረን ብዕድመ ዝነኣሰ ግዳይ ከኣ ጓል 4 ዓመት ምዃናን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቲ መጽሄት” ከምዚ ዘለ መጥቃዕቲ ካብ ክኢላ ሓኪም ምስ ዝወርደካ ናብ ሕክም ክትከይድ ምሕሳብ ኣሸጋሪ እዩ፡

ክሕከም እኽእል እየ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ኣሸጋሪ እዩ፥ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዝኸፍአ ነገር እዚ እዩ” ክትብል ሓንቲ ብሓኪማ እተደፍረት መንእሰይ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com