Thursday , March 28 2024
Over six million Swedes have received two doses of vaccine against COVID-19. Foto: Amir Nabizadeh / TT kod 12040

ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 6.98 ሚልዮን ሰባት እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ናብ ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ሽወደን ካብ ምምሕዳራት ዝተላእኩ ጸብጻባት ይሕብሩ። በዚ ድማ፡ መጠን ናይቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 81.7% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሸወደናውያን ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣስታት 6 ሚልዮን ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ መጠን ድማ ናብ 70.7% ክብ ከምዝበለ ተፈሊጡ።

ብዝሒ ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ 1,135,160 በጺሑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 14,700 ድማ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ ጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com