Tuesday , April 16 2024
Foto: Claudio Bresciani / TT / kod 10090

ልዕሊ 65 ንዝዕድሜኦም ሓሙሻይ ብልቃጥ ክትብት ክወሃብ እዩ።

ኣብዚ ጽድያ፡ ኲሎም 65ን ልዕሌኡን ዝዕድሜኦም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣሰካፊ ኲነታት ጥዕና ኣለዉ ተባሂሎም እተገምገሙ ሰባት፡ ሓሙሻይ ብልቃጥ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ክወሃብ ምዃኑ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። “እዚ ለበዳ ገና ኣየብቅዐን” ክትብል ሚኒስተር ጥዕናን ማሕበራዊ ጒዳያትን ሽውደን ሌና ሃለንግሬን ትማል ሰሉስ፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባራ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። እዚ ብልቃጥ ክትባት፡ ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ ድሉው ክኸውን እዩ፡ ክብል ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com