Thursday , April 25 2024

ልዝብ መንገዲ ኣየርን ማሕበር ፓይለታትን ተናዊሑ።

ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ሎሚ ክገብርዎ ሓሲቦም ዘለዉ ኣድማ ንምውጋድ ዝተሓስበ ዘተ፡ ክናዋሕ ከም እተገብረ ተገሊጹ።

ዝምልከቶም ኣካላት ክሳብ ትማል ፍርቂ ለይቲ እንድሕር ኣብ ስምዕ ዘይበጺሖም፡ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ማሕበር ፓይለታት ሽወደን ኖርወይን ዴንማርክን ኣፍሊጡ ምንባሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ። ኣብ መንጎ ማሕበር ፓይለታትን እቲ መንገዲ ኣየርን ሓድሽ ውዕል ዝፍጸመሉ ናይ ግዜ ገደብ ዓርቢ ምሸት ምዃኑ፡ እታ ማዕከን ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com