Thursday , April 25 2024

ልዮነል መሲ ተዘካሪት ጉሩብ MSN ስጋብ ሕጂ ርኽብ ከምዘሎም ይገልጽ

ወትሩ ካብ ኣእምሮ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብሓፈሻ ካብ ደገፍቲ ባርሶሎን ብፍላይ ዘይሃስስ ተዘክሮ ዘልዎም ብጥምረት MSN መሲ፣ስዋረዝ ነይማር ዝፍልጥ መስመር ምጥቃዕ እዛ ጋንታ ኮይኑ ዓመታዊ ዘመዝገብዎ ብድምር ሸቶታቶም እውን ክበረ ወሰን ፍሉይን እዩ።

MSN ካብ ዝገበሮ 450 ጸወታታት ብድምር 364 ሸቶታትን 173 ቀረብ ንሸቶታት ከምዝገብረት ዝዝከር ኮይኑ ብሕሪኡ ነዛ ጥምረት ትትክእ ዝኮነ መስመር ምጥቓዕ ዛጊድ ኣይተራእየን። ብተወስኺ እዛ ጥምረት ኣብ 2014/15 ንኩሉ ውንጫታት ማለት ላሊጋ፣ ኮባ ድልረይን ቻምፒኦንግ ሊግ ጊሒጣቶ ኢያ።

ነዚ እዩ መሲ እቲ ዝበልጸን ዝመቀረን ግዜ ዘኽለፍኩሉ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ርክብ ከምዘለዎም ብምግላጽ ዳግማይ MSN ዝኾውን ኣይመስለኒን ግን ምናልባት MN ክብል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com