Thursday , March 28 2024
Dylan Martinez/tt

ልዮነል ሜሲ ዳግማይ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ይምለስ!

ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል ሜሲ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ዳግማይ ከምዝተመልሰ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ገሊጹ። ድሕሪ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ ሃገራዊት ጋንታ  ትሑት ውጺኢት ምምዝጋብ ብወለንትኡ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣግሊሉ ዝጸንሐ ሜሲ ዳግማይ ብምምላሱ ኣርጀንቲናውያን ሓጎሶም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ሩስያ ብፈረንሳ ዝተገለፈት ኣርጀንቲና ድሒራ ዘካየደቶ 6 ግጥማት ሜሲ ከምዘይተሳተፈ ዝዝከር ኮይኑ ምምላስ ናይቲ ተጻዋታይ ዓቢ ሞራል ምዃኑን ነዚ ኣብዚ ወርሒ ሃገር ተካይዶ  ንምሕዝነታዊ ግጥም ኣንጻር ሞሮኮን ቬነዝወላን ትገብሮ ጸወታ ሜሲ ማልያ ኣርጀንቲና ክልብስ ምኻኑን ነቲ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ውድድር ኮፓ ኣሜርካ 2019 ንሃገሩ ዋምጫ ዘምጽኣላ ዕድል ረኺቡ። ከምዝፍለጥ መሲ ምስዝኹሉ ብሉጽነቱ ንሃገር ብጀካ ዋንጫ ኦሎፒክ ካልእ ከግዝማ ብዘይምኽኣሉ ገላ ካብ ነቀፈታቱ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com