Friday , March 29 2024

ሎሚ ምሸት ሃገራዊያን ጋንታታት ሸወደንን ስጳኛን ኣብ ግጥም መጻረዩ ኤውሮጳ 2020 ክጽመዳ እየን!!

ሎሚ ምሸት ብ ኣቆጻጽራ ሽወደን ካብ ሰዓት 20:45 ጀሚረን ሃገራውያን ጋንታታት ሽወደንን ስጳኛ ኣብ ግጥም መጻሪ ዋንጫ ኤውሮጳ 2020 ክጽመዳ እየን፡፡ እዘን ጋንታታት ቅድሚ ሕጂ ቡዙሕ ተራኺበን ዘይፈልጣ ኮይነን ን ኣስታት 31 ዓመት ዝኣክል ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ናብ ስጳኛ ከይዳ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ተዓዊታ ኣይትፈልጥን፡፡

 ኣብ ታሪክ ተሰኒዱ ከምዘሎ ሃገራዊት ጋንታ ሸወደን ን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ዝተዓወተትሉ ኣብ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ሰነ 1, 1988 3ብ 1 እዩ ነይሩ፡፡  ኣብ ዝቐጸለ ርኽብ እዘን ጋንታታት ኣርባዕተ  ግዜ ተራኺበን ኣብ ሰለስተ ግጥማት ስጳኛ ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ ክትወጽእ ከላ ኣብ ዝተረፈት ድማ ማዕረ ተፈላልየን፡፡

ነዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ኣመልኪቱ ሓለቃ ጋንታ ስጳኛ ሰርጆ ራሞስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ን ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ካብተን ሓደገኛታት ጋንታታት ምኻናን ን ሃገራዊያን ጋንታታት ሆላንድ ኢጣልያ ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018 ገሊፋ ንምድባ መሪሓ ናብ ርብዒ ፍጻሜ መርሓ ዝሰገረ  ሙኻና ብምዝኽካር ን ደቂ ጋንትኡ ነዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ዝልዓለ ኣተክሮ ክገብሩሉ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ካብ መጀመርትኡ ክስለፍ ትጽቢት ቡዙሓት እዩ ዘሎ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com