Thursday , April 25 2024

ሎሚ ምሸት ክልተ ሎንዶናውያን ኣብ ክርፍስ ዋንጫ ፍጻሜ!!

ናይ ሎሚ ፍጻሜ ኤሮፒያን ሊግ ፍሉይ ዝገብሮ እንተሃልዩ ክለተ ክለባት ደቂ ሓንቲ ከተማ ኢንግሊዝ መን ወነን እዩ። ብተወስኺ ነዛ ዋንጫ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ሳሪ ንፈለማ ድዩ ኢዱ ከንብረልስ ወይ ከም ናይ ብሕቱ ገሩ ሰልስተ ግዜ ዝዓተር ን ራብዓይ ግዜ ዝመጣጠር ዘሎ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኤምረ።

እዚ ናይ ፍጻመ ግጥም ድሮ ነቶም ናይዘ`ን ክልተ መታሃላልክቲ ጋንታታት ዓለምቲ ዝነበሩ ቨንገር ምስ ሞሪኖ ኪኖ ናይተን ጋንታታት ዓለምቲ ነዞም ምስተን ጋንታታት ዓቢ ሽምን ክብሪን ዘሎዎም ናይ ቀደም ኣሰልጠንቲ 
ሕጂ ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ ዓለምቲ ኣፋጢጥዎም ይርከብ፣እቲ ወሳኒ ግጥም ፍጻመ ኤውሮጳ ሊግ።ኣብ`ዚ ናይ ፍጻመ ግጥም ኣርሰናል ብ3 ሽቶታት ኣብሙያንግ ተሓጊዛ ኣ ኣብ ልዕሊ ቫለንሽያ ሙቁር ዓወት ኣመዝጊባ ናብ ፍጻሜ ክትበጽሕ ከላ።ቸልሲ ብወገና ኣብ ልዕሊ እታ ሎሚ ዓመት ቡልጽ ብቅዓት ዘንጸባረቀት ኢንተር ፍራንክፈርት ብ ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊባ እያ ናብ ፍጻመ በጺሐ።እዚ ግጥም ን ኣርሰናል ኪኖ ዓወት ብቀጥታ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ
ዝወስዳ ክከውን ከሎ።ን ቸልሲ ኣብ ትሕቲ ሳሪ ናይ ፈለማ ዋንጫ ክከውን እዩ። ናይ’ዚ ኩሉ መልሲ ሎሚ  ሮቡዕ ኣብ ናይ ፍጻሜ ጸወታ ኣብ ሜዳ ባኩ ሃገረ ኣዘርባጃን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com