Friday , April 19 2024
Arkivbild. Bild: ANDERS WIKLUND, TT

ሎም ምሸት ቀረጽ ኣታዊኹም እተፍልጥሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዩ ተባሂሉ።

ሎሚ ካልአይቲ ሓሙስ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ተመላሲ ቀረጽ ናብ በዓልመዚ ቀረጽ Skatteverket እተፍልጡላ መዓልቲ እያ።

ካብ ዘየድሊ ሞልታን መቕጻዕትን ንምድሓን ቀረጽ ኣብ ግዚኡ ከረክቡ ከም ዝግባእ ከኣ ክኢላታት ይመኽሩ። ዛጊት 4.6 ሚልዮን ሽወደናውያን ቀረጽ ኣታዊኦም ኣፍሊጦም( ከፊሎም) ኣለዉ።

እቶም ዝተረፉ 1.6 ሚልዮን ሎም ምሸት ከፍልጡ ትጽቢት ይግበረሎም።

ብመሰረት IRS ኤለክትሮኒካዊን ቀጥታዊን ምፍላጥ ኣታዊ ኣዝዩ ቅቡል እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ዲጂታላዊ ምፍላጥ ኣታዊ ብዙሕ ጠቕሚታት ኣለዎ ይብል እቲ ክፍሊ። ምኽንያቱ ክኸፍልዎ ዝግባእ ቀረጽ ብቐጥታ እዩ ዝወራረድ።

“ሓደ ካብቲ ዘሎ ንቡር ጌጋታት ሰባት ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ይጥቀሙ ዘይምህላዎም እዩ” ትብል ኣብ ኣገልግሎት ተሌቪዥን Anna Khoberg ክኢላ በዓልቲሞያ Anna Khoberg።

እቲ ኻልእ ጸገም ሰባት ከምኒ ናይ ትራንስፖርትን ናይ ስራሕን ዝመስሉ ዘይግብኦም ኣበል ክወስዱ ዝደልዩ ምዃኖም እዩ። ቀረጽ ብመሰረት መሸጣ ሼር ምቕማር እቲ ኻልእ ዝዓበየ ጸገም እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ነቲ ሰብ መቕጻዕቲ ኣየብጽሓሉም እዩ። ምስቲ ሰብ ብልዝብ እዩ ዝፍታሕ።፡ ሳዕቤናት ቅረጽ ኣብ ግዚኡ ዘየፍለጡ( ዝድንጒዩ) ሰባት 1250 ክሮነር ይቕጽዑ።

“ዘይከፈሉ ሕጂውን ግዜ ኣለዎም።

ዛጊት እቲ ዝድለ ሰነዳት ዘይብሎምን ሎሚ ክገብርዎ ዘይክእሉን ሰባት ብኽልተ ሰሙን ክናውሓሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም” ቀረጽ ኣታዊ ንምፍላጥ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ሎም ምሸት ፍርቂ ለይቲ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com