Thursday , March 28 2024
Stina-Stjernkvist/TT

ሎቨን: ብዛዕባ ምቛም ዝቅጽል መንግስቲ ዝብሎ ሓድሽ ነገር የለን ይብል።

ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ዝኾነ ይኹን ሓድሽ ነገር ዝብሎ ብዛዕባ ምቓም እቲ ዝቅጽል መንግስቲ ከምዘየለ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ትሕዝቶ ትማሊ ዝገበሮ ዝርርብ ምስ መራሕቲ ውድባት ዕላዊ ከምዘይገብር ገሊጹ።

“ውጽኢት ምስ መራሕቲ ውድባት ዝገበርክዎ ዝርርብ ንፕረሲደንት ባይቶ ከየቅረብኩ ዝኾነ ሓበሬታ ክህብ ኣይኮንኩን” ኢሉ ንጋዜጠኛታት ብምሕባር ናብ ብራስለስ ንኣኼባ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣቅኒዑ።

“ሕጊ ስራሕ” ቀንዲ ማእክል ዝርርብኩም ምስ ፈደረሽን ሰራሕተኛታት ክከውን ድዩ ተባሂሉ ንዝተሓተቶ ሕቶ ክምልስ ከሎ ሎቨን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበርክዎም ዝርርባት ሓንቲ ቃል እካ ትኹን ብዛዕባ “ሕጊ ስራሕ” ኣይጠቀስኩን ድሕሪ ምባል ንኹሎም ውድባት ዝደለይዎ ክረኽቡ ከቢድ እዩ ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ስምምዕ  ኣብዚ መዳይ ክህሉ ኣይኮነን ክብል ሎቨን ሓቢሩ።

ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ካብ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮፓ ድሕሪ ምምላሱ መንግስቲ ንምቛም ዝርርብ ክቅጽል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com