Thursday , April 25 2024

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Social)፡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ

ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ሓደ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2021፡ ዝፈጸሞ በደል፡ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ሓላፊ፡ ኣባል ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እኳ እንተዘይኮነ፡ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰደ ድሕሪ ምፍላጡ፡ እቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓላፊ መርመራ ኣካይዱ፡ ካብ ስርሑ ናይ ምብራር ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራ፡ እቲ በዓል ስልጣን፡ መዝነቱ ተጠቂሙ ዘይግቡእ ስራሕ ስለዝፈጸመ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረኒ እምነት በኒኑ። ምስቲ ሓላፊ ተዘራሪበ፡ ድሕሪ’ቲ ዝፈጸሞ በደል እምነት ምጉዳል፡ ምስኡ ክሰርሕ ከምዘይክእል ድሕሪ ምግላጽ ካብ ስርሑ ክኣልዮን ምዃነይ ሓቢረዮ ክብል ከንቲባ ከተማ ስቶክሆልም ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com