Saturday , April 20 2024
Christine Olsson/TT

ሓላፊ ጒጅለ SD ስቶክሆልም Peter Valmark ንገዛእ ነብሱ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ጌሩ ምሻሙ ተገሊጹ።

እዚ ማለት ብ ክልተ ደሞዝ ብምውሳድ ክኽሰስ ይኽእል’ዩ ክትብል ጋዜጣ Aftonbladet ሎሚ ጸብጺባ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ Valmark ከም ሓላፊ SD መጠን ወርሓዊ ደሞዙ 40,623 ክሮነር ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ።

ብዘይካዚ ከም ፖለቲካዊ ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ ካልኣይ ናይ 50,000 ክሮነር ደሞዝ ከም ዝቕበል እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ህንጻ ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተመሳሳሊ ድርብ ስራሕ ዘለዎ ካልእ ሰብ የለን ክትብል እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ገሊጻ’ላ።

“ኣብዚ ቆንስል ምምሕዳር ን 20 ዓመት ሰሪሐ እየሞ ከምዚኦም ዓይነት ሰልፊታት ኣየጋጠሙንን” ትብል ዳይረክተር ሰብኣዊ ዓቕሚ ስቶክሆልም Anita Lidberg።

Mark ድርብ ደሞዝ ምህላዉ ዝኾነ ሕጊ ዝጥሕስ ኣይኮነን ይብል።

“ዝኾነ ኣገባብ ዘይብሉ ነገር ኣይፈጸምናን” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com