Saturday , April 20 2024

ሓሙሽተ ዶክተራት ሽወደን ብዓሌት ቱኻን ዝስዕብ ብርቱዕ ረኽሲ ምህላዉ ገሊጾም!!

እዚ መግለጺ ኣብ መጽሄት Läkartidningen ዝወጸ ኮይኑ ብዙሓት ሽወደናውያን ብዛዕባዚ ሓስኻ ምስምዖም እንተኾነ ግና ባቤሲያ ብዛዕባ ዝተባሀለ ጽግዕተኛ ዝፈልጥዎ የለን ኢሉ። እዚ ሓድሽ ጽግዕተኛ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ኣራዊትን ኣሓን ዝተራእየ እኳ እንተኾነ ኣብ ሰባት’ውን ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ ሓቢሮም ኣለዉ።

እዚ ሕማም ካብ ዘርእዮም ምልክታት ገሊኦም ንምጥቃስ ብርቱዕ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ብርትዕ ኣብ ዝብለሉ እዋን ከኣ ምድኻም ኣካሊታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም በቲ ዝተጠቕሰ ዓሌት ትዃን ከም ዝመሓላለፍ ተጠቒሱ’ሎ። እዚ ሓስኻ ኣብ ጥሉል ከባቢታት ብብዝሒ ይራባሕ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com