Friday , April 19 2024

ሓንቲ መስጊድ፡ ንመምርሒታት ኮሮና ብምጥሓስ፡ መቕጻዕቲ ክብየነላ እዩ

ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ እትርከብ  መስጊድ፡ ንግዝያዊ መምርሒታት ኮሮና ብምጥሓሳ፡ ብቤት ጽሕፈት ቦርድ ምምሕዳር፡ ናይ ፈለማ ተቐጻዒት ብምዃን፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነላ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዛ ኣብ ሂሲንየን (Hisingen)፡ ዮቶቦሪ፡ እትርከብ መስጊድ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓርቢ ናይ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ክሳብ 50 ዝኾኑ ሰገድቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ከተአንግድ እንከላ፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ደጋ ኮይኖም ይሰግዱ ምንባሮም ይዝከር። ብመሰረት ግዝያዊ መምርሒታት ኮሮና፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሰባት ብምእንጋዳ፡ ናይ 50 ሽሕ ክሮነ መቕጻዕቲ ተበይኑላ ኣሎ።

ኣብ ቀጻሊ፡ እታ መስጊድ፡ ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት ኣብ እተካይደሉ ግዜ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ ተወሳኺ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክትከፍል ምዃና፡ ኣቦ ወንበር’ቲ ቦርድ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com