Friday , April 19 2024

ሓንቲ ሩዋንዳዊት ኣብ ዓሌታዊ ምጽናት ብዝነበራ ተራ ካብ ኣመሪካ ተሰጒጓ

ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ምጽናት ሩዋንዳ ዝነበራ ተራ ብምሕባእ ንሳን ስድራቤታን ኣብ ኣመሪካ ዕቚባ ሓቲታ ዝነበረት ሓንቲ ሩዋንዳዊት ሓሶት ብምዝራባ ን 10 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሓ ናብ ሃገራ ክትስጐጒ ከም እተገብረት ቢቢሲ ሓቢራ።

እዛ ኣመሪካዊ ዜግነታ ክትሕደግ ዝተገብረት ቢትሪስ ሙኘኘዚ ዝተባህለት ሰብ ኣብ 1998 እያ ኣብ ሩዋንዳ መስጐጒቲ ኣጋጢሙኒ ብዝብል ጒዳይ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብ ኣመሪካ ኣትያ። ንሳ ኣብ ሕቶ ዕቚባኣ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ምስ ዝኾበ ፖለቲካዊ ኣካል ርክብ ከም ዘይብላ እያ ገሊጻ ኔራ።

እንተኾነ ግና በዓልቤት ኣባል ኢንተርሃሞይ ዝተባህለ ኣብ ምጽናት ዓሌት ቱትሲ ተዋፊሩ ዝነብረ ናይ መንእሰያት ሚሊሻ ምንባሩ ተፈሊጡ። በዓልቤታ ኣርሰነ ሻሎም ከምኡውን ሓማታ ፓኡሊን ኚራማሱሁኮ ኣብ 2011 ኣብ ምጽናት ዓሌት ቱትሲ ብዝነበሮም ተራ ተኸሲሶም ንውሕ ዝበለ ዓመታት ማእሰርቲ ከም እተፈርዱ ይፍለጥ።

51 ዝዕድሜኣ ቢያትሪስ ኣብ ዓዳ ክሲን መርመራን ክግበረላ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com