Friday , April 19 2024
Thomas Johansson/TT

ሓንቲ ሰበይቲ ናጽላ ብምጥፋኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

እዛ ሰበይቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ መውዓሊ ህጻናት ዮተበሪ ናጽላ ክወጽእ ጌራ’ያ ብዝብል እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ዘላ።

እታ ሰበይቲ ነዚ እኳ እንተተኣመነት ነቲ ካሮሴላ (barnvagn) ጥራይ እየ ደልየ ኔረ፥ ጸኒሐ እየ ቆልዓ ከም ዘለዎ ርእየ” ኢላ።

ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ገበን ካብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዘይሕጋዊ ምሕያር ዝብል ስያመ ኣሰጋጊርዎ’ሎ።

ዓቓቢ ሕጊ Hedvig Lundblad ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነዚ ገበን ከምዚ ኢለ ዝሰየምኩሉ ምኽንያት እዛ ሰበይቲ ነዚ ቆልዓ ክትሃሲ ይኹን ምድፋር ወይ ምስቓይ ንኽትገብር እያ ተላዒላ ዝብል ዝኾነ ድርኺት ስለዘይረኸብና እዩ” ኢሉ።

ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ እያ እዛ ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ናጽላ ካብ Hisingen ከተማ ዮተበሪ ተሰዊራ።

ኣደ እታ ህጻን ዕብይ ንዝበለት ውላዳ እናምጸአት እዛ ናጽላ ሽዑ ኣብ ካሮሲላ (barnvagn) ኣብ ኣፍደገ እቲ መውዓሊ ህጻናት እያ ኔራ።

ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ግና እታ ናጽላ ኣብ ዓረብያ ደቂሳ ኣብ ሓደ መኻዚኖ ተራእያ።

እዛ ኣብ ኣርብዓታት ዕድመ እትርከብ ጥርጥርቲ ሰበይቲ ጥቓ እቲ መኻዚኖ እናሃለወት እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

ብመሰረት ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መንጐ ወለዲ እዛ ናጽላን እዛ ገበነኛን ዝኾነ ሌላ ኣይነበረን። ቤት ፍርዲ ጌና ኣብ ውሳነ ኣይበጽሐን ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com