Thursday , April 18 2024

ሓንቲ ቀለቤት፡ ዛንታ ዝተረሰዐ ጅግና ተዘክር

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሰላይ ብሪጣንያ ኮይኑ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝሰርሕ ዝነበረ ፈረንሳዊ ዜጋ፡ ዓቢ ጅግንነት ፈጺሙ ክንሱ፡ ተረሲዑ ጸኒሑ ክብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ጆን ኬሊ፡ ዘዳለዎ ጸብጻብ ሓደ ዛንታ፡ ንንባብ ኣብቂዑ’ሎ።

ዛንታ እዚ ጅግና ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ብምኽንያት ሓንቲ ናይ ኢድ ቀለቤትን ቃል ወዲ 98 ዓመት ጡረተኛ ሓርበኛን ክዕቀብ ክኢሉ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ። እዚ ፈረንሳዊ ሰላይ ናብቲ ስርዓት ናዚ፡ ብሓይሊ ዝሓዝዎ ቦታታት ብጃንጥላ ክወርድ ተጌሩ እናዓየየ እዩ ምስ ሸሞንተ ርእሱ ተማሪኹ። ሰብ መዚ ናዚ ነዞም ምሩኻት ኣብ መጻኢ ምሩኻት ጀርመን ንምልውዋጥ ክውዕሉ ብምዃኖም ከይንመውት ብዝብል ክጭነቑ ከም ዘይብሎም ግና ንግበረሎም መርመራ ሓቀኛ መልሲ ክህቡ ከም ዘለዎም እዩ ተነጊርዎም። እንተኾነ ግና ሽዑ ወዲ 33 መንእሰይ ዝነበረ፡ ማርከል ሌሳ፡ እዞም ሰባት ኮነ ኢሎም ክንዛነ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ፡ እቲ ዝደልይዎ ምስ ረኸቡ ንማሕነቕቲ ክፈርዱና እዮም ብምባል ተጠራጠሮም። ንሌሳ ዝዓለሞ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝሃቦ ብሪጣንያዊ ኣዝዩ በሊሕ፥ ኣንደበት ፍቱሕን ሕጒስን ምንባሩ ይገልጾ። ኣብ ታዕሊም እናሃለወ ምስ ሓንቲ ኦዴት ዝተባህለት ጓል ፍቕሪ ሒዝዎ ምንባሩን ምናልባት እንተሞትኩ ብምባል ነቲ ሓላው እሱራት ዝነበረ ካፖ ቀለበት ኣውጺኡ ነታ ዘፍቅራ ክህበሉ ከም እትላበዎን ይገልጽ። ከምቲ ባዕሉ’ውን ዝገመቶ እቶም እሱራት ኣእዳዎም ኲሪንኲሪት ተኣሲሮም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ ከም ዝረኣየ እቲ ካፖ ይዛረብ። ድሕሪኡ ሊሰን ደሃዩ ኣይተረኽበን። ሕጂ ድሕሪ 75 ዓመታት ብምኽንያት እዛ ቀለቤትን ዛንታ እዚ ጅግና ክንገርን ግቡእ ቦታኡ ክሕዝን ምጅማሩ ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com